Friday, March 22, 2013

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቦሌ ክፍለ ከተማ ካብ 4 ክሳብ 6 መጋቢት 2005 ዓ.ም ኮብልስቶን ኣብ መንጎ ዝሰርሑ ተወለድቲ ብሄር ደቡብን ኦሮሞን ብዝተወለዐ ባእሲ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝተጎድኡ ተፈሊጡ፣



መበገሲ እቲ ባእሲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝምራሕ መንግስቲ ስርዓት ወያነ ብዝኽተሎ ዘሎ ከፋፋሊ ኣካይዳ። ተወለድቲ ደቡብ ዝኾኑ ብሄር ወላይታ “እዋኑ ናትና እዩ፤ ግዜና እዩ” ወዘተ እናበሉ ብምፍካር። ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄር ኦሮሞ ፀቕጢ ክፈጥሩ ብምፍታኖም ዝተወለዐ እንትኾን። እቲ ባእሲ ናብ ማእኸል ሕብረትሰብ ዘሊቑ ብምእታዉ ናብ ብሄር ምስ ብሄር ተለዊጡ ንኣስታት ሰለስተ መዓልቲ ብምፅንሑ። ቀሊል ዘይበሃል ንብረትን ህይወት ሰብን ከም ዝጠፈአ ካብቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ፣

ኣስዒቡ ብሰንኪ ከፋፋሊ ኣካይዳ እቲ ስርዓት ዝተወለዐ ባእሲ ካብ ክልትኡ ተወለድቲ ብሄራት 26 ሰባት ዝሞቱ እንትኾኑ። መብዛሕትኦም ተወለድቲ ኦሮሞ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ  መናእሰይ ድማ ከም ዝቖሰሉን እቲ ግጭት ገና ሐጂ ውን ይቅፅል ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣

   ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብዝኽተሎ ዘሎ ግዕዙይ ኣካይዳ ህዝቢ ብፍላይ ከዓ ካብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተመረቑ ተማሃሮ ስራሕ ብምስኣኖም። ምስ ዓቕሞም ኣብ ዘይመጣጠን ስራሕቲ  ኮብልስቶንን (ምፅራብ እምኒ) ተዋፊሮም ዝርከቡ መናእሰይ ኣንፃሩ ንኸይለዓሉ ብሄር ምስ ብሄር ክበኣሱ ምግባር ከም ሓደ መስርሕ መናዉሒ ዕድመ ሰልጣኑ ጌሩ ተታሓሒዝዎ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ የገንዝብ፣