ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ኣብ ወረዳ ፍኖተ-ሰላም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብገበን ዓመፅ ጓል ኣንስተይቲ ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበረ
መንእሰይ ኣሳየ ኑሬ። ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወረዳ ፍኖተ-ሰላም ንዝሰርሑ ክልተ ደያኑን ኣካላት ፖሊስን ብላዕ ሂቡ ብነፃ ከም ዝወፀ ካብ’ቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ የመልክት፣
ኣስዒቡ
እቲ ሓበሬታ። ነቲ ብከቢድ ገበን ተኸሲሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ
ዝነበረ መንእሰይ ኣሳየ ኑሬ ዝተኸሰሰሉ ገበን ኣካላት ፖሊስ ብዝግባእ ኣፃርዮም ናብ ዝምልከቶ ኣቕሪቦም ዝግባእ ሕጋዊ ዉሳነ
ክረክብ ኣብ ክንዲ ምግባር። ልዕሊ ሕጊ ዉልቃዊ ረብሓታቶም ብምቕዳም ምስ ድያኑ ተመሻጥሮም ጉቦ ተቐቢሎ እቲ ክሲ ዉፅኢት
ከይረክብ ምግባሮም ስድራ እታ ዝተዓመፀት ጓልን መላእ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ከባብን ኣዝዮም ዝሕዘኑ እንትኾኑ። ካብቶም ብላዕ
ተቐቢሎም ነፃ ክወፅእ ዝገበሩ ደያኑ ሓደ ኣቶ ይናገር ከም ዝኾነ ገሊፁ፣
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ። እዚ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ኣካላት ፖሊስን
ፍኖተ ሰላም ተራእዩ ዘሎ።
ዘለካ ሞያን ሓላፍነትን ተጠቕምካ ህላወ ሕጊ ንጎኒ ጎሲኻ ረብሓ ናይ ምቕዳም ተግባር። ኣብዛ ወረዳ ዝረአ ዘሎ ጥራይ
ዘይኮነስ ኣብ መላእ መሓዉራት እቲ ስርዓት ዝስራሓሉ ዘሎ ብልሽው ተግባር ነፀብራቕ ምዃኑ። ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝተዓዘቡ ወገናት
ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ኣብሪሁ፣