Sunday, March 10, 2013

ኣብ መላእ ሃገር ዘሎ ዋጋ ሃለኽቲ ኣቑሑትን ፍራፍረን ብዘደንግፅ ናህሪ እናወሰኸ ምዃኑ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣



እዚ ሓበሬታ ከም ዝገለፆ። ካብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ዝላዓለ ወሰኽ ዘርኣየ ብርቱኳን። ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ንኪሎ ክሳብ 30 ቅርሺ እናተሸጠ እንትኾን። አፕል ድማ ንኪሎ ክሳብ 80 ቅርሺ እናተሸጠ ይርከብ፣ ምውሳክ ዋጋ ኣራንሺ እቲ ምኽንያቱ ብትኽክል እኳ እንተዘይ ተፈለጠ። ኣራንሺ ዘፍርዩ ዝነበሩ ቆላማ ከባቢታት ሃገርና ኣጋጢሙ ብዘሎ ከቢድ ድርቅን ሕፅረት ዝናብን ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ኣብሪሁ፣
   ኣብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ፍራፍረታት ደረጃ ፅሬቶም ዝታሓተ እንተኾነ’ውን። ከም ልብኻ ንምርካብ አሸጋሪ ኮይኑ። ብፍላይ ኣብ’ዚ ቀረባ ጊዜ ኣብ አዲስ አበባን ካልኦት ከባቢታትን ዝሽየጥ አፕል  ድኻ ሕብረተሰብ ብዓይኑ ሪእይዎ ዝሓልፍ እምበር ዝቕመስ ኣይኮነን፣
ኣብ ማዓልቲ 20 ቅርሺ ዝረክብ ሰራሕተኛ ሓንቲ ኪሎ ብርቱካን ንምግዛእ ዘይኽእለሉ ደረጃ ብምብፅሑ። ምናልባት’ውን  ብርቱኳን ኣብ’ዚ ቀረባ ናይ ሃፍታማት ተባሂሉ ክምደብ ከም ዝኽእል እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ፣