Sunday, March 10, 2013

ኣብ ወፃኢ ተመዲቦም ዕድመ ስልጣን ስርዓት ወያነ ከናውሑ ዝፀንሑ ኣምባሳደራት ካብ ሰረሖም ደው ከም ዘበሉ ምንጭታት ገሊፆም፣



ከም ሓበሬታ እቶም ምንጭታት። ብኣይተ ቴድሮስ ኣድሓኖም ትእዛዝ   ሰረሖም ደው ኣቢሎም ንህፁፅ ኣኼባ ናብ ሃገሮም ክመፁ   መፀዋዕታ ካብ ዝተገበረሎም 67 እምባሳደራት። እቶም 35 ጥራሕ  ከም ዝተረኸቡን ካብዚ’ኦም ድማ እቶም 16 ኣምባሳደራት ካብ ሃገር ከይወፁ ብምእጋዶም ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዝርከቡ ገሊፆም፣

   እዞም ብሃንደበት ካብ ወፃኢ ዝመፁ ኣምባሳደራት ኣዝዮ ከም ዘሕዘኖም  ድሕሪ ምግላፅ። እቶም ከይመፁ ዝተረፉ ግን ብፍላይ   ናይ  ውድብ ኦህዴድ ላዕለዎት ሰበስልጣናት። ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ሓለዋን ክትትልን ምህላዎም ስለ ዝፈለጡን። ነዚ ኢሰብኣዊ ዝኾነ ምሕደራ መራሕቲ ወያነ ስለ ዝነቕሕሉ።  ንዝቐረበሎም መፀዋዕታ  ምንፃጎም   ነቲ ኣብ  ልዕሊኦም ክበፅሕ ንዝኽእል  ግፍዕታት ብኣግኡ ስለ ዝተረድኡ እዮም ክብል እቲ ዝተረኸበ  ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣

   ከም ዝፍለጥ ኣብ ዝተፈላልዩ ሃገራት ዓለም ኣገልገልቲ ስርዓት ወያነ  ኮይኖም ዝፀንሑ ኣምባሲታት። ኣብ መንጎ  ሰበ-ስልጣን ወያነ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምቅዳውን ምክፍፋልን ዓቢ ድንጋፀ፤ ስግኣትን  ፅልዋን ፈጢሩሎም ከም ዝፀንሐን ዘሎን ብዙሓት ተዓዘብቲ ይገልፁ፣