ብ24 ሕዳር 2005 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ። ሕድሪ መለስ ዝትግበር ኣባይ ተሰርሑ እንትዛዘም ስለ ዝኾነ።
ነዚ ንምፍፃም ሕፅረት ገንዘብ ኣጋጢሙ ስለ ዘሎ ኩሉ ሰራሕተኛ ወርሓዊ ደሞዙ ክኸፍል ከም ዘለዎ ብከንቲባ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ
ፍስሃ ዉበት መምርሒ ከም ዝተዋሃበ ተፈሊጡ፣
ብተወሳኺ ካድረ ህወሓትን ከንቲባ ከተማ ሽረን በቶም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቅድሚ ሕዚ ናይ ዝኸፈልናዮ ቅብሊት
ይወሃበና። ሕዚ ከዓ ንግድብ ኣባይ ዝኸዉን ናይ ወርሒ ደሞዝና ክንከፍል ድሌት የብልናን ዝብል ሓሳብ ምስ ኣቕረቡ። ክፍሊት ኣይንፍፅምን
ዝበለ ሕድሪ መለስ ዝጠለመን ባዕሉ ካብ ስራሕ ከም ዝተባረረ ክሓስብ ኣለዎን ክብል ከም ዘፈራርሖም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅብሊት ክዋሃቡ ከም ዘይኽእሉ ከንቲባ ከተማ ሽረ ፍስሃ ዉበት ምስ ገለፀሎም። እቲ
ብሽም ኣባይ ዝወፀ ገንዝብ ፍርቁ ኣብ ስራሕቲ ከባቢና ስለ እነዉዕሎ ኣይዋሃበኩምን ምስ በለ። እቶም ሰራሕተኛታት ብወገኖም እንታይ
እሞ ክንገብር ብዝብል ሓሳብ ነቲ ዝተባሃልዎ ንኽነብሩ ክብሉ ብዘይድልየቶም ክኸፍሉ ተገዲዶም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣