Monday, March 25, 2013

ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዜጋታት ብምፍርራሕ ገንዘብ ህዝቢ ይወሩ ከም ዘለዉ ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ ቦታ ኣብ ኣውቶብስ ተራ። ንሓደ ተማሃራይ ዩንቨርሲቲ ጂማ ሕጋውያን መሲሎም ኣድራሽኡን መንነቱን ብምሕታት። ድሌቶም ንምምላእ ሒዚዎ ዝነበረ ሞባይልን ላፕ ቶፕ ኣሕድጎም  ገንዘብ ሃበና እንተዘይ ኮይኑ ክንኣስረካ ኢና  ኢሎም ብምፍርራሕ ገንዘብ ከም ዝተጋላገልዎ ተገሊፁ፣
እቲ ሓበሬታ ወስኹ እቲ ተማሃራይ ምኽንያት ክእሰረሉ ዝኽእል ገበን ክንገሮ ነቶም ፖሊስ ኣብ ዝሓተተሉ ግዜ። ክሳብ ዝፃረ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትፀንሕ ኢኻ ክንለቀካ እንተደሊኻ ድማ ገንዘብ ክፈል ምስ በልዎ። እቲ ተማሃራይ ድማ ትምህርቱ ንዘይምቁራፅን ብኣዉርኡ ድማ ህይወቱ ከድሕንን። ንስንቂ ኢሎም ስድርኡ ዝሃብዎ ገንዘብ ከፊሉ ከም ዝሰደድዎ እቲ ግዳይ ዝኾነ ዜጋ  ዝላኣኸልና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
 ብፖላዊስ ወያነ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝፍፀ ዘሎ ሕጋዊ እናመስለካ ገንዘብ ህዝቢ ናይ ምዉራር ተግብር። ኣብ መላእ ከተማታት ኢትዮጵያ ሃገርና ዝፍፀም ዘሎ መዓልታዊ ተርእዮ ምዃኑ ክግለፅ ምፅንሑ ይዝከር፣