Monday, March 25, 2013

ኣብ ዉሽጢ ፖሊስ ተስፋፍሑ ንዘሎ ስሰዐ ዝወለዶ ግዝይና ፍታሕ ይገበረሉ ኢሎም ዝገምገሙ ገለ ኣባላት ፖሊስ ሽረ- እንዳስላሰ። ኣብ ልዕልኦም ዝተፈላለየ ምፍርራሕን መቕፃዕትን ይወርዶም ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ ሽረ-እንዳስላሰ ዝርከቡ ኣዘዝትን መርመርትን ኩሉ ምንቅስቓስ ስራሕቶም ሕግን መምርሒ ኣሰራርሓን ብዝብሎ ተኸቲሎም ዝፍፅሙ ዘይኮኑስ። ሰልጣኖምን መደብ ስርሖምን ተጠቒሞም ብጉቦም ኣድልዎን ብምቕባል ዘይግብኦም ሃፍቲ ኣብ ምኽዕባት ከም ዝርከቡ። ብግልፂ ኣብ መድረኽ ዝገምገሙ ዉሽጠ ምሽጢሩ ዝፈልጡ ኣባላት ፖሊስ። ኣብ ልዕልኦም መልመሲ ስጉምቲ ይዉሰድ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣
ካብቶም ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ተጠቕሞም ብምግምጋሞም ስጉምቲ ዝተወሰዶም ኣባላት ፖሊስ ሽረ-እንዳስላሰ ሓደ ብርሃነ ሽሻይ ዝተበሃለ ኣብ ምርመራ ተመዲቡ ዝሰርሕ እንትኾን። ንሱ ኣብቲ ወረዳ ብፖሊስ ዝዕመሙ ስራሕቲ ብቅንዕና ዘይኮኑ ብወገንነትን ግቦን ኣድልዎን ዝተባዓጠ  ንዝተዋሃበና ስራሕ ሓላፍነት ዋጋ ዘስእንን ኣብ ህዝቢ ተኣማንነት ክንስእን ዝገብርን ኮይኑ ሰለ ዘሎ። ነዚ ንምዉጋድ መንግስቲ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ ክብል ብተሪ ከም ዝገምገመ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
እቲ ኣባል ፖሊስ ንግዕዙይ ኣካይዳ ኣብ ዝገምገመሉ እዋን ክብሮም ዝተተንከፉን ኣብ ስምዒት ዝኣተዉ ኣዘዝቲ እቲ ፖሊስ ጣብያ። ድሕሪ እቲ ገምጋም ብርሃነ ሺሻይ ግቦን ኣድልዎን ኣብ ፖሊስ ተስፋሕፊሑ ኢሉ ምግምጋሙ። ንሽም ፖሊስ ንምጥፋእ፤ ኣብ ህዝቢ ተሰማዕነት ክንስእን፤ መደባትና ንምዕንቃፍን ፀረ- ስራሕን ኮነ ኢሉ ዝተበገሰ ልኡኽ እዩ ኢሎም ብምፅልእላእ። ናይ ሓደ ወርሒ መሃይኡ ምቕፅዖም ከይኣክል መወዳእትኡ ካብ ስራሕ ንኽባረር ከም ዝወሰንሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣