Monday, March 4, 2013

ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ሓሙሽተ ዓመት ንፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ዝተሓንፀፀ ምዃኑ ካብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈት ኢህወዴግ ዝለሓዀ ሓበሬታ ኣቃሊዑ፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ።  እቲ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ትልሚ ዕብየት ትራንስፎርመሽን ግቡእ ፅንዓት ዘይተገበረሉ፤  ብስሚዒትን ንፖለቲካ ሃልኪ ተባሂሉ ዝተሓንፀፀን  ኣብ ርእሲ ምዃኑ። ምስ ናይታ ሃገር ዓቕሚ ክመጣጣን ይግባእ ክብል ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ኣተሓሲሲቡ፣
  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ። መራሕቲ ወያነ  ካብ ናይ  ወፃኢ ባንክታትን  ኣብ ወፃኢ ካብ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን  ካልእን ብዝርከብ ገንዘብ  ክስራሕ  ሓሲቦም  ዝሓንፀፅዎ ፕሮጆክት።  እቲ ገንዘብ  በቲ ዝተሓሰበሉ እዋን  ኣታዊ ክኸውን  ብዘይምኽእሉ።  እቲ ዝተሓንፀፀ ትልሚ  ብሰንኪ ሕፅረት ገንዘብ ኣብ ግዜኡ ክስራሕ ከምዘይተኽኣለ ገሊፁ፣
 ኣብ መውዳእታ እቲ ሓበሬታ።  ዜጋታት  ውሽጢ ሃገር  ምስ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ተኣሳሲሩ ፕሮጀክትታት መስርሒ ከዋፅእዎ ዝኣተዉዎ ቃል። ኣብ ኣፈፃፅምኡ  ጥርጣረ  ስለ ዝሓደሮምን  ኣብ መራሕቲ ወያነ   እምነት ስለ ዘይብሎምን እቲ ዝተሓንፀፀ ፕሮጀክት ንፖለቲካዊ ሃልኪ ምዃኑ ምስ ተረድኡ  ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ከቋርፅዎ ከምዝኸኣሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣