Friday, March 22, 2013

ንሚድያታት ብተደጋጋሚ ኣብ ምዕፋን ዝፀንሐ ስርዓት ወያን ኢህወዴግ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ንድህረ ገፅ ኣልጀዚራ ኣብ ኢትዮጵያ ከይረአ ከም ዝኣገደ ተፈሊጡ፣



አልጀዚራ ካብ ጎግል ዝተቐበሎም ሰነዳት ወይ ሓበሬታታት ከም ዝሕብርዎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ክሳብ 50 ሽሕ በፂሑ ዝነበረ ድህረ-ገፅ እንግሊዝኛ ዝጉብኒዩ ኢትዮጵያዊ  ቁፅሪ። ኣብ ወርሒ መስከረም ብዘደንግፅ ኩነታት  ናብ 114 ምዉራዱ እቲ ዝወፀ ኣረዲኡ፣
   ብተመሳሳሊ ኣብ ወርሒ ሓምለ 5,371 በፂሑ ዝነበረ  ድህረ-ገፅ ዓረብኛ ዝጉብኒዩ ቁፅሪ። ኣብ ወርሒ መስከረም ናብ 2 ዝወረደ እንትኾን። ንድሕንነቱ ክብል ሽሙ ንምግላፅ ዘይደለየ ሓደ ናይ’ቲ ብሎግ አዳላዊ ተቓዉሞ ተኸተልቲ እስልምና ብሚድይኦም ሽፋን ረኪቡ ድሕሪ ምፍናዉ ሲዒቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ አልጀዚራ ትኹረት  ሂቡን አጠናኺሩን ዓፈና ከም ዝቐፀለሉ ምዝራቡ አልጀዚራ ገሊፁ፣
  ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ሕቶ ዝቐረበሎም ሰበስልጣን እቲ ስርዓት መልሲ ንምሃብ ፍቓደኛታት ከይኮኑ ምትራፎም እቲ ትካል ዝገለፀ እንትኾን። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሕተሙ ናይ ዉልቀ ፕሬሳት ካብ ሕትመት ወፃኢ ብምግባርን ጋዜጠኛታት ብምእሳርን ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ብምግባሩን ዘይዓገበ መንግስቲ ኢትዮጵያ። ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝዳለው ድህረ-ገፃት ንምእጋድን ንምዕፋንን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከም ዘፍስስ የረድኡ፣