ካብ
ዝሓለፈ ዓርቢ ለካቲት 29 /2005 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሓምሽቲኡ መውፅኢ በርታት አዲስ አበባ ጥቡቕ ናይ ፖሊስ ፍተሻ ይካየድ
ከም ዘሎ ዝተፈላለያ ምንጭታት ገሊፀን፣
ናይ’ዚ ፍተሻ ጥቡቕነት ንተጓዓዝቲ ሻቕሎት
ከም ዝፈጠረሎንም ዝዛረቡ እዞም ምንጭታት። በዚ ምኽንያት ዝተፈላለዩ ተሸከርከርቲ ግዜአን ብግቡእ ተጠቕመን ስራሕተን ከየሳልጣ ክሳብ
ዝፍተሻ ተደራርበን ጠጠዉ ብምባል ኣብ መውፅኢ ኬላታት ይዉዕላ ከም ዘለዋ ኣረዲኦም፣
ፍኖተ ነፃነት ብወገኑ ኣብ ሓለዋ ካብ ዝነበሩ
ኣባላት ፖሊስ ሓቲቱ ከም ዝገለፆ። እዚ ፍተሻ ዝተጀመረ ሽንኮርን ዘይትን ካብ ሕጊ ወፃኢ ብዝኾነ መንገዲ ካብ’ዛ ከተማ ይወፅእ
ብምህላዉ ነዚ ንምቁፅፃር እዩ እኳ እንተበሉ፤ እቲ ሓቂ ግና ንሱ ዘይኮነስ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ዜጋታት ኣንፃሩ የካይድዎ
ብዘለዉ ተኸታታሊ ተቓዉሞታት ቀፃሊ ህላዊኡ እናጠራጠሮ ይኸይድ ብምህላዉ። ነዚ ንምዉሓስ ድማ ተሽከርከርትን ህዝብን ካብን ናብን
መዓልታዎ ዘካይድዎ ምንቅስቓስ ብምዕጋትን ብምቁፅፃርን ኣብ ስልጣን ምንባር ብዝብል ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ከይኮነ ከም ዘይተርፍ
ገለ ፖሎቲከኛታት ወገናት ሪኢቶኦም ይገልፁ፣