ሚድያታት ከም ዝገለፀኦ።
መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅድስት ስላሴ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ዝወለዶ ናይ ምክፍፋል ተግባር እናተሓመሰ ምዃኑ እንትገልፃ። እቶም ተማሃሮ ፀገም
ምምሕዳር ንኽፍታሕ ዝሓለፈ ብ4 መጋቢት 2005 ዓ/ም ዝጀመርዎ ትምህርቲ ጠጠው ናይ ምባል አድማ እስካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ከም ዝፀንሐ
ወሲኸን ኣረዲኤን፣
ናይ’ዚ መንፈሳዊ ኮሌጅ ተማሃሮ ፀገም ምምሕዳር ኢሎም ካብ መንጎ ዘልዓልዎም
ምኽንያታት እንትገልፁ። ሓላፍነት ዝጎደሎ ምምሕዳር፤ ምጉዳል ፅሬት ምግቢ፤ ምስ ምንኣስ ብቕዓት መምህራን ክሰተኻኸልን ዘልዓልዎ
ሕቶ እንትኾን። ብተወሳኺ ምስ ጉዳይ ምምራፅ ሓዱሽ ፓትርያሪክ’ውን ክተሓሓዝ ከም ዝኽእልን። በዚ ዘበገስዎ ሕቶ እቶም ተማሃሮ ጠቕሊሎም
ምግቢ ከም ዝተኸልከሉን ተቓውመኦም ድማ ብዝተጠናኸረ ይቕፅልሉ ከም ዘለውን ተፈሊጡ፣