እዞም ካብ ዝተፈላልዩ ከተማታት ጀርመን
ዝተኣኻኸቡ ኢትዮጵያውያን። ኣብዚ ቕንያት ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት
ኣብ ፊት ንፊት ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየድዎ ኣንፃር ውልቀ መላኺ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዘቕነዐ ሓያል ተቓውሞ ሰልፊ
ዝተኻየደ እንትኾን። ዕላምኡ ድማ እሱራት ሕልና ይፈትሑ፤ ፕሬስን ሃይማነታዊ ነፃነት ይከበር፤ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ
ወኪላት ስርዓት ወያነ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይውኩሉን ዝብል ከም ዝነበረ። ዝተፈላለዩ መረበብ ሓበሬታት ካብ ዝዝረግሕዎ ንምፍለጥ ተኻኢሉ፣
ነዚ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ዜጋታት ብባንዴራ ኢትዮጵያን
ብዝተፈላልዩ ጭርሖታትን ተዓጂቡም። ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ጉዕዞ ድሕሪ ምክያዶም። ኣብ
ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበፅሕሉ እዋን። ሰራሕተኛታት ከም ዝተደናገፁ ብኢትዮ ዛሬ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ገሊፁ፣