Friday, March 8, 2013

ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርትን ከባቢኣን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣንፃር ስርዓት ወያነ ዝዓለመ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም፣



እዞም ካብ ዝተፈላልዩ ከተማታት ጀርመን ዝተኣኻኸቡ ኢትዮጵያውያን።  ኣብዚ ቕንያት ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣብ ፊት ንፊት ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየድዎ ኣንፃር ውልቀ መላኺ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዘቕነዐ ሓያል ተቓውሞ ሰልፊ ዝተኻየደ እንትኾን። ዕላምኡ ድማ እሱራት ሕልና ይፈትሑ፤ ፕሬስን ሃይማነታዊ ነፃነት ይከበር፤ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ ወኪላት ስርዓት ወያነ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይውኩሉን ዝብል ከም ዝነበረ። ዝተፈላለዩ መረበብ ሓበሬታት ካብ ዝዝረግሕዎ  ንምፍለጥ ተኻኢሉ፣

   ነዚ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ዜጋታት ብባንዴራ ኢትዮጵያን ብዝተፈላልዩ ጭርሖታትን ተዓጂቡም።  ኣብ  ጎደናታት እታ ከተማ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ጉዕዞ ድሕሪ ምክያዶም። ኣብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበፅሕሉ እዋን። ሰራሕተኛታት ከም ዝተደናገፁ ብኢትዮ ዛሬ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ገሊፁ፣

    እቶም ሰልፈኛታት መዝሙር እናስምዑ ኣብ ዝተንቀሳቐስሉ እዋን። ዕላማ እቲ ተቓውሞ ብዝተፈላልዩ ቛንቋታት ተፃሒፎም ትሕዝቶኦም ድማ መራሕቲ ወያነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘብፅሕዎ ዘለዉ ግፍዕታትን ካልእን ዝምልከት ኮይኑ። ነዚ ክዕዘቡ ንዝፀንሑ ወፅእተኛታት ድማ ፓፕሌታት ዝዓደልዎም እንትኾኑ። ድሕሪ ናይ ሰለሰተ ሰዓት ውዕውዕ  ተቓውሞ ድማ ነቲ ፕሮግራም ብዓወት ከም ዝዛዘምዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣