Wednesday, March 6, 2013

ኣብ ከተማ ጅማ ዝርከቡ ካድረታት ኦህዴድ-ኢህወዴግ ዘይዕዉት ኣኼባ ከም ዘካየዱ ተሓቢሩ፣









ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ኩለን ቀበሌታት ከተማ ጅማ ምስ ዝነብሩ ኣባላት ኦህዴድ-ኢህወዴግ ብ24 25 ለካቲት 2005 ዓ.ም ኣብ ግቤ ኣዳራሽ ዘካየዶ ኣኼባ። “ዘመቻ መለስ ለእድገተና ለእምርታ” ማለት ወፍሪ መለስ ንዕቤትን ዝላን ዝብል ኮይኑ። እቶም ተኣከብቲ ካድረታት እቲ ውድብ ከም ዘይተቐበልዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ብተወሳኺ ህወሓት-ኢህወዴግ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ግፍዕን ጭቆናን ንምንጋፍ። ሃገርና ሰላም፤ ዴሞክራሲ። ልምዓትን ማዕርነትን ዝሰፍና ንምግባር ኣብ ዘካየዶ ዕጥቃዊ ቃልሲን ዝኸፈሎ መስዋእትን ኣብ ታሪኽ ዝለዓለ ክብሪ ክዋሃቦ እዩ ንዝበል። እቶም ካደረታት ንህወሓት ዘተዓባቢ ንካልኦት ኣባላት ኢህወዴግ ዝኾና ውድባት ዘየተባብዕ እዩ ብምባል ከም ዘይተቐበልዎ ተፈሊጡ፣
ኣብ መወዳእታ እቶም ተኣከብቲ ኩሎም ብሄር ኦሮሞ እንትኾኑ። እቲ ብዛዕባ ልዕልነት ህወሓት-ኢህወዴግ ታሪኽ ክብ ንምባል እምበር። ብዛዕባ ኣስተዋፅኦ ህዝብን ሃገርን ክልልናን ዝዉክል ኣይኮነን ክብሉ። ነቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ከም ዝነፀግዎ እቲ ካብ ከተማ ጅማ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣