Wednesday, May 29, 2013

ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ መጋበርያ ስርዓት ወያነ ዝኾኑ ሚልሻታት እቲ ክልል ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦጋዴን ግፍዕታት የወርዱ ምህላዎም ተገሊፁ።



ምክልኻል ስራዊትን ምልሻታት እቲ ከባብን ኣብ ኦጋዴን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ  ከተማ ገላሺ  ግፍዕታት የወርዱ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ብ13 ግንቦት 2005 ዓ/ም ብዝፈፀምዎ ግፍዓዊ ተግባራት፣ 10 ንፁሃት ሰባት ዝተቐትሉ እንትኾኑ ኣስማቶም ድማ፣-
Ø አቶ ማካሊ ሙስጠፋ ሀሰን፤
Ø አቶ ሻፊ አው ካሊፍ፤
Ø አቶ አብዱላሂ አብዲ፤
Ø አቶ ሻኩል አብዲ፤
Ø አቶ ፋራሕ ሙሐመድ፤
Ø አቶ አብዲሀይ ሼክ  አህመድኑር
Ø አቶ አብድራሺ ሻፊቺች ካልኦትን ምዃኖም ካብ’ቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ፣ ልዕሊ 70 ዝኣኽሉ ዕጡቓት ሚልሻ ወያነ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካየድ ዉድብ ኦብነግ ብምፅንባሮም ዝሰግኡ ሰበስልጣን ወያነ፣ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብምእካብ ኣድራሻ ናይ’ቶም ዝጠፍኡ ምልሻ ንኽዛረቡ ድሕሪ ምሕታቶም፤ 7 ኣባላት ዝሓዘት ስድራ ኣእዳዎም ብምእሳር ከም ዝረሸንዎምን 3 ድማ ካብ’ታ ዝነብሩላ ከተማ ኣውፂኦም ከም ዝቐተልዎም ተገሊፁ።
  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝበሎ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራሕ ልዕሊ 300 ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ዜጋታት ብምክልኻል ሰራዊትን ብኣባላት ፖለስ ወያነን ብኣስካሕኻሒ ግፍዒ ከም ዝተቐትሉ ኣረዲኡ።