ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ ቀወት ኣብ መንጎ
ተወለድቲ ዓፋርን ኣምሓራን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብዝፈጠርዎ ንባእሲ ዝዕድም ፀገም ምልዓዓል። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ
ካብ 15 ዘዉሕዱ ሰባት እንትቕተሉ ብርክት ዝበሉ ድማ ከም ዝቖሰሉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ካብ’ቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብዝተወለዐ ባእሲ ጥራይ ሓደ ሰላማዊ ሰብ ብዘስካሕኽሕ ኩነታት
እንትቕተል። ካልእ ሓደ ሰብ ድማ ብኸቢድ ዝቖሰለ እንትኾን፤ ነቲ ባእሲ ዘበገስዎ ድማ ዕጡቛት ናይ’ቲ ስርዓት ተወለድቲ ዓፋር
ኮይኖም፤ ነበርቲ ወረዳ ቀወት ንዓርሶም ንምክልኻል ብዝሃብዎ ግብረ መልሲ ካብ መንጎ ክልትኦም ሰባት ክቕተሉ ምኽንያት ዝኾነ
እንትኾን፤ ድሕሪ ዝተወለዐ ባእሲ ንምርግጋዕ ተባሂሉ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጅሚሩ ፖሊስ ፌዴራል ነቲ ከባቢ ተቖፃፅርዎ እኳ
እንተተበሃለ። ንነባራይ ህዝቢ ዉሕሰነት ክህብዎ ብዘይምኽኣሎም፤ ህዝቢ መረበቱ ራሕሪሑ ናብ ዉሕስ ቦታ ይኸይድ ከም ዘሎ እቲ
ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።
ነቲ ባእሲ ዝፈጠርዎ ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ህሙሮበ ገለዓሎ ሰበ ስልጣን
ዝነበሩ ካብ ሓላፍነቶም ምብራሮም ስዒቡ፣ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ዕጥቂ ኣዕጥቖም መጥቃዕቲ ንኽፍፅሙ ብምግባር ዝፈጠርዎ ከም ዝኾነ
ኣቦ መንመበር ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ኣይተ ኣየለ ግፋዉ ንሚድያታት ገሊፆም።
ነበርቲ እቲ
ከባቢ መዓልታዊ ሰላም ኣጥፊኡ ህይወት ሰብ ዝበልዕ ዘሎ ባእሲ፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ነቲ ፀገም
ንምፍታሕ ብዘይምፍታኖም ዓብዪ ኣሉታዊ ስምዒት ኣለዓዒሉ ከም ዘሎ ንነበርቲ መሰረት ብምግባር ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።