እቶም ነበርቲ ከም ዝበለዎ፣ ኣብ ከተማ ሑመራ
ዝርከብ ህዝቢ ብስእነት ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ዝኸፈአ ማሕበራዊ
ህይወት ከም ዝርከብ ድሕሪ ምግላፅ፣ እቲ ውሑድን ሳሕቲ ብቦጥ ዝመፅእ ማይ እንተኾነ’ውን ነቲ ነባራይ ዘይኣክልን ፅሬቱ
ዘይተሓለወን ብምዃኑ፤ ነበርቲ ንማይ ወለድ ሕማም ምቅላዖምን እቲ ዝኸፍአ ድማ ጠቕሊሉ ማይ ዝበሃል ከም ዝተስኣነ ነበርቲ
ብምረት ገሊፆም።
መራሕቲ ስርዓት ወያነ ኣብ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ፀገም ዝስተ ማይ ዝበሃል
ኣብ ትግራይ የለን፤ ኣሃዛት ኣናዘርዘሩ ብኽንድዚ ዕብየት ተራእዩ፤ እናበሉ ዝምድሩ እኳ እንተኾኑ እታ ዝዓበየት ከተማና ከተማ
መቐለ ሓዊሱ ዳርጋ ኩለን ከተማታት ትግራይ ከቢድ ሕፅረት ዝስት ፅሩይ ማይ ከም ዘለወን ነበርተን ክገልፁ ምፅንሖምን ሕዚ’ውን
እቲ ምረት ብዝባኣሰ ስለ ዝቐፀለ ይዛረቡ ምህላዎምን ይፍለጥ።
ብተመሳሳሊ
ዜና ካብ ከተማ ሑመራ ከይወፃና ኣመሓደርትን ካድረታት ወያነ ልዕልና ሕጊ ንጎኒ ገዲፎም ፀጉረ ለወጥን ካልእን እናበሉ ኣብ
ልዕሊ ነበርቲ እዛ ከተማ ናይ ማእሰርትን ማህረምትን ግፍዕታት የወርዱ ምህላዎም ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።