ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ
ጎንደር ነበርቲ ቀበሌታት 6ን 7ን ዝካየድዎ ተቓዉሞ ተኸቲሉ ልዕሊ 14 መናእሰይ ኣብ ባዶ 1ን ባዶ 2ን ኣብ ዝርከቡ ፖሊስ
ጣብያታት ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ዝገለፁ ናይቲ ከባቢ ሕብረተ-ሰብ ወኪላት፣ ነቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣተሓባብርኩም ዝተበሃሉ
መናእሰይ ብዘይ መትሓዚ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ካብ መነበሪ ገዝኦምን ስራሕ ቦትኦምን እናተሃደኑ ከም ዝተተሓዙን ድሕሪ ኣብ ቁፅፅር
ፖሊስ ምዉዓሎም እንተኾነ እዉን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ከም ዘይተራኣዩ ካብቲ ዝሃበዎ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
እቶም ኣብ ከተማ ጎንድር ቀበሌታት 6ን 7ን ነበርቲ ዝኾኑ መናእሰይ
ብ14 ግንቦት 2005 ዓ.ም ኣብ ዘካየድዎ ተቓዉሞ፣ መፍትሒ ተሳኢንዎም ዘሎ ፀገማት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከም መብራህቲ፤ ማይን
ከምኡ’ውን ስእነት ስራሕ፤ ጉድለት ሰናይ ምምሕዳርን ጥሕሰት ሰብኣዉን ዴሞክራስያዉን መሰላትን ንኽስተኻኸል ዝጠልብ ከም ዝነበረ
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።
ሰበ ስልጣን
እቲ ስርዓት ነቲ በቶም መናእሰይ ኣብቲ ዘከይድዎ ሰልማዊ ሰልፊ ዘልዓልዎም ሕቶታት ቆላሕታ ሂቦም ኣብ ክንዲ ፍታሕ ምንዳይ፣
ብኣንፃሩ ሕገ መንግስታዊ መሰሎም ተጠቕሞም ንዘካየድዎ ሰልማዊ ሰልፊ ከም ሓደ ገበን ቆፂሮም፤ ንዉልቀ ሰባት ሰላማዊ ሰልፊ
ንምክያድ ኣለዓዕልኩም ብምባል ክእሰሩ ምግባሮም፣ ክሳብ ክንደያናይ ንህላወ ሕገ-መንግስቲ ረሲዐሞ ከም ዘለዉ ዘብርህ ከም ዝኾነ
ክኢላታት ሕጊ ንዝተፈላለያ ሚድያታት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣፍሊጡ።