Friday, May 31, 2013

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ዳንግላ ግንቦት 20 ኣመልኪቱ ንዝተፀወዐ ናይ ድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ክወፅእ ከም ዘይካኣለ ካብ’ቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።



እቲ ብሰበ ስልጣን ወያነ ተዋዲዱ ዝተፀወዐ ሰልፊ ነባሪ ህዝቢ እቲ ዞባ ስለ ዘይተቐበሎ፣ በዚ ዝተበሳጨዉ ካድረታት እቲ ስርዓት ግንቦት 20 ከመይ ኢና  ነኽብሮ ዘለና?  ከመይ ኢና ንሪኦ? ንምንታይ ህዝቢ ኣብ ጎኒ ብመንግስቲ ዝተቐመጡ መራሕቲ ዘይስለፍ? ብርክት ዝበሉ  ሕቶታት ብምልዓል ከፈራርሑን ፀቕጢ ክፈጥሩን እኳ እንተፈተኑ፤  ዘረበኦም ብነባሪ ህዝቢ  ቆላሕታ ከም ዘይረኸብን ተቐባልነት ከም ዝሳኣኑን ተገሊፁ።

   ብፍላይ ኣብ’ቲ ከባቢ ብዝነብሩ ነባራት ተጋደልቲ፣ ከቢድ ተቓውሞ ከም ዝተላዓለን፤ ንሕና ዝተቓለስናሉ ዕላማ ኣይተረጋገፀን፤ ህዝቢ ፅቡቕ የለን፤ ሰናይ ምሕደራ ኣይሰፈነን፤ ስለዚ ግንቦት 20 ከም ተራ ማዓልቲ ዘይኮንና እንሪኣ ከም ማዓልቲ ክሕደት ኢና ንዝክራ ክብሉ ከም ዝመለስሎምን፣ እኳ ድኣ ብኣናፃሩ ተቓውመኦም ከም ዝገለፅሎምን ንልሳን እቶም ነባራት ተጋደልቲ ምርኩስ ዝገበረ ሓበሬታ የረድእ።

  በዚ’ውን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግንቦት 20 ማዓልቲ ክሕደትን ጥልመትን እናበለ ይዝክራ ከም ዘሎ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝበፅሑና ሓበሬታታት የረጋግፁ።