እቲ ካብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፤ ኣብ ብ7 ታሕሳስ 2005 ዓ/ም
ሰለስተ ሚልዮን ገንዘብ ህዝቢ ብምጥፍፋእ ገበን ሙሱና ፀረ ሙስና
ሕዝዎም ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት እቶም ነቲ ሙስና ከፃርዩ ዝተዋፈሩ ፀረ ሙስና ሰራሕተኛታት ካብቲ ገንዘብ ተኻፊሎም ስለ ዝብልዑ
ብምባል ህዝቢ እቲ ከባቢ መረረቱ ይገልፅ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ገንዝብ ህዝቢ ብምጥፍፋእ
ተኸሲሶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝፀንሑ ኣብራሃላይ ኣበራ፤ ኣይተ ሚኪኤለ፤ ግርማይ ወሉን ኣይተ ኣለም ግዴና ዝተባሃሉ ከም ዝኾኑ
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እዞም ጭቡጥ መርትዖ ብዘለዎ ተኸሲሶም ተኣሲሮም ዝነብሩ ጥርጡራት ጉዳዮም ተፃርዩ ብሕጋዊ መንገዲ ዉሳነ
ክዋሃቦም እናተገበአ፣ ብከምዚ ዓይነት ከቢድ ገበን ዝተኸሰሱ ክፈትሑ ሕጋዊ ድጋፍ ዘይብሎም ሰባት ምፍትሖም እቲ ስርዓት ንግዕዝና ይዋጋእ ኣለኹ እናበለ ክንደይናይ ንህዝቢ
የታልል ከምዘሎ ዘራጋግፅ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልፅ።
ብጀካ እዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን
ሰራሕተኛታት ወ/ሮ ገነት ማስረሻን ኣቶ ኣምባይነህ ጥላሁን
ዝተባሃሉ ዜጋታት ዘየድሊ ሚስጢር ኣውፂእኩምን ገምጊምኩምን ብዝብልን ከምኡ’ውን ዓበይቲ ናይ መንግስቲ ንብረት ንወልቀ ረብሓኹም ኣውዒልኩም
ብምባል 25 ሰነ 2005 ዓ/ም ኣብ ወረዳ 14 ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጊኖ ከም ዘለዉ ካብቲ ከተማ ዝበፅሐና ሓበሬታ
የምልክት።