Wednesday, May 25, 2016

ናይ ሶማሊ ላንድ ገዛኢ ፓርቲ ፕሬዝዳንት ንመንግስቲ ኢትዩጵያ ከም ዝወቐሰ ክፍለጥ ተኻኢሉ።



እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ፣ድሕሪ ዓሰርተ ኣዋርሕ ናይ ሶማል ፕሬዝዳንት ኮይኖም ክምረፁ እዮም ተባሂሎም ሉዑል ግምት ዝወሃቦም ዘሎ ናይዚ እዋን ናይ ሶማሊ ላንድ ገዛኢ ፓርቲ ፕሬዝደንት ሙሴ ቢሂ ኣብዲ ሃገሮም ከም መንግስቲ ብዓለም ለኸ ኣፍሉጦ ንኸይወሃባ ኢትዩጵያ ክትፃወቶ ዝግባኣ ግደ ኣይሰረሐትን  ብምባል ከም ዝወቐሱ ተፈሊጡ።
ፕሬዝዳንት ሙሴ ቢሂ ኣብዲ  ሶማሊ ላንድ ከም ነፃን ርእሳ ዝኸኣለት መንግስቲ ዘለዋ ንኸይትፍለጥ ካብ ዝገበርዋ ምኽንያታት ኢሎም እንትገልፁ ጎረባብቲ ሃገራት እየን ድሕሪ ምባል ብቐንዱ ድማ ንመንግስቲ ኢትዩጵያ ዝወቐሱ ኮይኖም፣ ከም ቀንዲ ገይሮም ዝወቐስዋ ምኽንያት እንትገልፁ ናይ ሶማሊ ላንድ ዝዓበየት ጎረቤት ኢትዩጵያ እያ ንሶማሊ ላንድ ኣፍሉጦ ክትረክብ  ኣስተዋፅኦ ኣይገበረትን ከም ናይ ኣፍሪካ ሕብረት ዋና ቤት ፅሕፈት መቐመጢ እናሃለወት ሶማሊ ላንድ ገለልተኛ ክንኸውን ትገብር ኣላ ክብሉ ከም ዝወቐሱ ክፍለጥ ተኻኢሉ። 



No comments:

Post a Comment