ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ብንግዲ ዝመሓደሩ ዜጋታት ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠንን ግብሪ ክከፍሉ ይግደዱ
ብምህላዎም። ከም ውፃኢቱ ድማ ኣብ ከቢድ ክሳራ ሰለ ዝወደቑ
ትካላቶም ዓፅዮም ካልእ መማረፂ ስራሕ ከናድዩ ይከራተቱ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣
ካብቶም ትካላቶም ዝዓፀዉ ነጋዶ ንምጥቃስ
*
ኣቶ ኣሰፋው መንገሻ ናይ እኽሊ መካዚኖ ዝነበሮ
*
ኣቶ ኣለልኝ ወንድ ኣፍራሽ
*
መምህር ገዛኢ ማሰረሻ ወናኒ ናይ
መቀያየሪ መኪና መደብር ዝነበሮን ካልኦትን ከም ዝኾኑ
ተፈሊጡ፣
እቶም ግብሪ ዘኽፍሉ ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ጉቦ ንዝሃቦም ትሑት ግብሪ እንተኽፍልዎም። ንጉቦ ክኸፍሉ ዓቕሚ ንዝሰኣኑ
ድማ ዘይዓቕሞም ግብሪ ክኸፍሉ ዝወሰንሎም እንትኾኑ። ነቲ ዘፍትሓዊ ዝኾነ ኣሰራርሓ መፍትሒ ክረኽቡሉ
ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓን ኣቕርቦም ሰማዒ እዝኒ ሰለ ዝሰኣኑ ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣