Wednesday, October 23, 2013

ኣብ ከተማ ባህር ዳር ንዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈት መካየዲ ስራሕ እናተባሃለ ዝስላዕ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ በቶም ሓለፍቲ ከም ዝተጠፋፈአ ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣




እቶም ኣባላት ካቢኔ ከተማ ባህርዳር ብ7 ጥቅምቲ 2006 ዓ/ም  ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ እቲ ኣጀንዳ ብዛዕባ ግዕዝይና ምስ ኮነ ክረዳድኡ ብዘይምኽኣሎም ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ካብ ፌደራል ክመፅእ ኣለዎ ክብሉ  ተኣከብቲ ብዘልዓልዎ ሕቶ መሰረት ኣይተ ኣሰፋ ከሲቶ  ዝተበሃል ካብ ፌደራል ተላኢኹ ከም ዝመርሖ ዝገለፆ እቲ ሓበሬታ። ብምዃኑ ድማ ኣብ ቢሮ ማይን መዓድንን፤ ቢሮ ደቀቕትን ኣናእሽተይን፤ መሬት ምዝገባ ኮንስትራክሽን።  ቤት  ማዛጋጃን ቢሮ ፍትሕን ብዝርከቡ ሓላፍቲ ጥራሕ ልዕሊ 600 ሚልዮን ብር ከም ዝተጠፋፈአ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝተቓልዑ ካብ’ታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣፊሊጡ፣

 ኣብ  መወዳእታ እቶም ኣኼበኛታት  ብጭቡጥ  ኣብ ግዕዝይና ዝተረኸቡ ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ነፃ ተለቒቖም ኣብ ካልእ ኣብያተ ዕዮ ተዘዊሮም ክሰርሑ እንትግበር። ንገለ ድማ ብሽም ግዕዝይና ኣሳቢብካ ብፖለቲካዊ እምነቶም ምስቲ ስርዓት ኣይኮኑን ዝተባሃሉ ሓለፍቲ ጥፍኣት ከይተረኸቦም። ብጥርጠራ  ጥራሕ  ተኣሲሮም ዝሳቕዩ ዘለዉ ንፅሃት ዜጋታት ማእለያ የብሎም ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ። እዚ ኣካይዳ እዚ ድማ  ኣካይዳ ናይ ሓደ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት’ዩ  ክብሉ ኣብ ሕጊ ንዝፍፀም ዘሎ ኣድልዎ ከም ዝኾነነንዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣