Wednesday, October 23, 2013

ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ከተማ ደብረ ብርሃንን ከባቢኡን ኣትዩ ብዘሎ ሕማም ኣንቅፂ ብዙሓት ዜጋታት ንሕልፈተ ሞት ከም ዝበቕዑ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣




እቲ ኣብ ከተማ ደብረብርሃንን ከባባኡን ይላባዕ ንዘሎ ሕማም ኣንቕፂ ንምግታእ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ክንቀሳቐስ ብዘይምኽኣሉ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ይቐዝፍ ከም ዘሎ ዝገለፅ እቲ ሓበሬታ። ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 50  ዜጋታት  በቲ ሕማም ድሕሪ ምቕዛፎም ኣብ’ዚ ቅንያት ሓካይም ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣

      እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ። ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከባ ሓለዋ ጥዕና  ብወገነን በቲ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ተታሕዞም ንዝኸዱ ክፍወስ ዝኽእል እኹል መድሓኒትን ዓቕሚ ሰብን ስለ ዘይብለን ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ክፍተት ንምሽፋን ብዝምልከቶም ኣካላት ቆላሕታ ስለ ዘይተገብረሉ በቲ ሕማም ዝመዉት ሰብ ካብቲ ዘለዎ ብተዓፃፃፊ ክዉሰኽ ከም ዝኽእል ኣብ ታሕተዎት ጥዕና ጣብያ ዝሰርሑ ሓካይም ምሕባሮም እቲ  ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣

   ኣብ መወዳእታ  መራሕቲ ጉጅለ ኢህወዴግ ደቆምን ቤተሰቦምን ናብ ወፃኢ ሃገራት እናላእኹ እንተሐክምዎም።  ዓቕሚ  ዘየብሉ ዜጋ ግና ሰኣን ብቑዕ ሕክምና ብተላበድቲ  ሕማማት ዓሶን ኣንቅፅን ስቃይትን ንሞትን ይቃልዑ ምህላዎም ካብ ከተማ ደብረብርሃን ዝተረኸበ  ሓበሬታ የረድእ፣