ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢታት ክፍለ ከተማታት ነፋስ ስልክ፤ ላፍቶ፤ ሃናማርያምን ቦሌን ክነብሩ ዝፀንሑ
ልዕሊ 5000 ሽሕ ነበርቲ መንበሪ ገዝኦም ብዘይ ቅድመ ድልውነት ብትእዛዝ ኣማሓደርቲ እታ ከተማ ብምፍራሱ። ብዙሓት ሕፃውንትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ዜጋታትና
ኣብ በረኻ ተደርብዮም ግዳይ ፀሓይ፤ ንፋስ፤ ዝናብን ኣሳሐይታ ቑርን ኮይኖም ንሕማምን ሞትን ምቅላዖም ተገሊፁ፣
እቲ ብ6 ታሕሳስ 2006 ዓ/ም ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ድልውነት ብትእዛዝ ሓለፍቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ ምፍራስ ገዛውቲ ንብዙሓት ወገናትና ናብ ሓደጋ ዘውደቐ ተግባር ምዃኑ
ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ተፈናቐልቲ ነቲ ወሪድዎም ዘሎ በደል ፍታሕ
ክግበረሎም ብወከልቶም ኣቢሎም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓን ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ድማ ተቒቢሎም ከም ዝኣሰርዎም ኣረዲኦም፣
እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ካብቶም
ብህዝቢ ተመሪፆም ጥርዓን ከቕረቡ ተላኢኾም ዝተኣሰሩ ዜጋታትና ገለ ሽም ንምጥቃስ ኣይተ ኑር ጀማል፤ ኣይተ ከድር
ኣባተን ካልኦትን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ፣