ኣብ
ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ሓላፊ ወደበ ከተማ ፍኖተ ሰላም ኣይተ ኣለባቸው ላቀ፤ በዓል ሞያ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣይተ
ኣየሁ ምስ ሓደ ኣብ ንግዲ ምምፃእን ምልኣኽን ዝተዋፈረ ደላላይ ተመሻጢሮም ኣስታት 14 ናይ ቀበሌ ገዝውቲ ብምሻጥ ዉልቃዊ ጅብኦም ከሕብጡ ከም ዝተረኸቡ
ተፈሊጡ፣
ነቲ በቶም ሓለፍቲ ዝግበር ዘሎ ዘይሕጋዊ መሸጣ ገዛውቲ ጉዳይ
ኣመልኪቶም ነበርቲ ከተማ ፍኖተ ሰላም ብ4 ታሕሳስ 2006 ዓ/ም
ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ። ነቲ ዝተፈፀመ ገበን ብመርትዖ
ኣደጊፎም ብዘቕረብዎ ሓሳብ መበገሲ ብምግባር እቶም ስልጣኖም
ተጠቕሞም ኣብ ወራር ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ዝነብሩ ሰባት ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ከተማ ፍኖተ ሰላም ተኣሲሮም ምህላዎም ካብታ ከተማ
ዝተረከበ ሓበሬታ ኣገንዚቡ፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ካልኦት ኣብ ቁፅፅር ዘይወዓሉ ተኻፈልቲ እዚ እከይ
ግብሪ ዝኾኑ ሓለፍቲ ወረዳ ምህላዎም እኳ እንተተገለፀ ግቡእ ቅፅዓት ከይተዋሃቦም ክፍትሑን ናብ ካልእ ቦታ ተዛዊሮም ክሰርሑ
ምግባር ዝተለመደ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ፓርቲ ተግባራት ስለዝኾነ ቅኑዕ ዝኾነ ፍትሒ ክህልው ኢልና ኣይንፅበን ክብሉ
ነበርቲ እቲ ከባቢ ይዛረብሉ ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም፣