Saturday, December 21, 2013

ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ዝርከብ ነበራይ ህዝቢ ሓደ ንሓሙሽተ ኣብ ዝተባህለ መርበብ ስለያ ዘይተጠረነፈ። ምስ ኣሸበርቲ ርክብ ኣለዎ እናበሉ ይንፅልዎ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ  ኣብ ዝርከባ  ጣብያታትን ቑሸታትን ዝነብር ህዝቢ ኣብ ሓደ ንሓሙሽተ ዝተበሃለ ውዳበ ዘይኣተወ ዜጋ  ከም ፀረ ልምዓትን ናይ ህንፀት  ግድብ ኣባይ  ከም ዘተዓናቐፈ ስለ ዝሕሰብ። ናይ ዘይተጠርነፉ ሰባት ፀብፃብ ብህፁፅ ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ንኽለኣኽ  ኣማሓዳሪ ናይቲ ወረዳ ኣይተ ኣየለ ትእዛዝ  ምምሕልላፉ ካብ’ቲ ወረዳ ዝረኽበናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣

    እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ እዞም ኣብ’ዚ ሓደ ንሓሙሽተ ዝብል ውዳበ ኣይንጥርነፍን ዝበሉ  ነበርቲ። ከም ኣባላት ተቓወምትን ልኡዃት ኣሸበርትን  ተቖፂሮም ጥቡቕ ዝኾነ ክትትልን ቑፅፅርን ክግበረሎም ሓላፊ ናይቲ ወረዳ ተወሳኺ ትእዛዝ ከም ዝሃበ ገለ ገለ ወገናት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ተገሊፁ፣

    ኣብ’ዚ ሓደ ንሓሙሽተ ዉዳበ ዝኣተወ ዜጋ  ኣበይ  ዊዒልካን ሓዲርካን እናተበሃለ ከቢድ ቁፅፅር ከም ዝገበረሉን። ከም ውፂኢቱ ድማ ካብን ናብን ተንቀሳቒሱ ዕለታዊ  መነባብርኡ ክመርሕ  ከም ዘይኽእል ዝተረድኡ ነበርቲ ነቲ ሓደ ንሓሙሽተ ዝብል ውዳበ ከም ዝነፀግዎ እቲ ሓበሬታ  የረድእ፣