“ኢህወዴግ ነዛ ሃገር ናብ ሕድ ሕድ ጦርነት ከየእትዋ ይሰግእ”
ዶክተር ዳኛቸዉ ኣሰፋ
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ፍልስፍና መምህር እዮም፣ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ዝነበሩ እዮም፣ ናይ ዝኾነ ፓርቲ
ወይ ዉድብ ኣባል ዘይኮኑን ኮይኖም ዘይፈልጡን ዶክተር እዮም፣ ኣብ
ናይ ሃገር ፖለቲካዊ ጉዳያት ግን ምሁራዊ ርኢትኦም በብግዚኡ ይህቡ እዮም፣ መዳለዊ ሎሚ ቶማስ ኣያሌዉ ምስ ዶክተር ዳኛቸዉ ኣብ ዙርያ እዋናዊ ጉዳያት ዝገበሮ ፃንሖት ነዚ ዝስዕብ ይመስል፣
ሎሚ። ናይዛ ሃገር እዋናዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ
ከመይ ትሪእዎ ኣለኹም?
ዶ/ር ዳኛቸዉ።- ብናሃተአይ ኣመለኻኽታ
ሎሚ እዛ ሃገር ዘላቶ ኩነታት ብኣንፃር ኣካይዳ ኢህወደግ እንትንሪኦ ወቕቲ ናይ ስልጣን ስግግር እዩ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ
ድሕሪ ምዕራፎም ካልእ ቀዳማይ ሚኒስተር ተሸይሙ፣ ብድሕሪት ናይ ሓይሊ ወይ ላዕላዋይነት ናይ ምርካብ ምትሕንናቕ እናተኻየደ ምዃኑ
ሓድሓደ ምልክታት ይረኣዩ እዮም፣ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት እቲ ፓርቲ ካብ ዝለመዶ ናይ ጉጅለ (ኮሌክቲቭ) ኣመራርሓ ወፅዩ ቀዳማይ
ሚኒስተር መለስ ዜናዊ በይኖም ብላዕለዋይነት ስለዝመሓደሩ ነዚ ክፍተት እዚ ንምትካእ ኣዝዩ እፀጋሚ ስለዝኾነ። ብላዕለዋይነት ነቲ
ቦታ ንምዉራስ ግብግብ እናተኻየደ እዩ፣ ኢህወዴግ ብጣዕሚ ሚሽጥራዊ ስለዝኾነ ፊት ንፊት እንታይ ከም ዝካየድ ምፍላጥ ዘይካኣል ክኸዉን
ይኽእል፣ ምልክታት ግን ኣለዉ፣ ላዕለዋይነት ንምርካብ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ምትሕንናቕ እናተኻየደ ምዃኑ ምንም ጥርጥር
የብሉን፣ ኮይኑ ግን ብርግፀኝነት ዝርዝር ኣቢልካ ከምዚይን ከምዚይን እዩ ኢልካ ብድፍረት ንምዝራብ ብጣዕሚ ኣፀጋሚ እዩ፣
ሎሚ። መንግስቲ ምስሃይማኖት ኣብ ምፍጣጥ
ኣትዩ እዩ፣ “ኣኽራርነት” ዝብል ቃል ምኽንያትን ግቡእነትን ከመይ ትሪእዎ?
ዶ/ር ዳኛቸዉ።- ብጣዕሚ ዝተሓሳስብ
ግቡእ ሕቶ እዩ፣ ኣብዚ ቀረባ ጉዳያት ፌደራል ሚኒስተር ዶ/ር ሽፋራዉ ተኽለማርያም ብተኸታታሊ ዝፃሓፍዎ ሓደ ፅሑፍ ኣንቢበ ኣለኹ፣
ፅንፈኝነት ዝምልከት ሰለስተ መሰረታዊ ፀገም ዘለዎ ፅሑፍ እዩ ክንበብ ገይሮም፣ ብመጀመርያ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት
ዓቢዪ ተፅዕኖን ዝይኸዉን ነቐፌይታን ኣቕሪቦም፣ “ ብዙሕ ዓመት ዝፀናሕና ኢሎም ይከራኸሩ” ዝብል ነቐፌታ ኣለዎም፣ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት
ብዙሕ ሽሕ ዓመታት ኣይፀንሐን ድዩ? ታሪኽ ከምዝሕብሮ። ሮም ክርስትና ከይተቐበለት፤ ክርስትና ዝተቐበለ ህዝቢ ምዃኑ እዩ፣ በዚ
ነዊሕ ፅንዓት ታሪኽ ክርስትና ሓደ ህዝቢ እንተኾርዐ ብኸመይ ከም ትምክሕቲ
ይቑፀረሉ?
ካልእይ ሚኒስተር
ንድሕሪት ከይዶም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ናይ መንፈሳዉን ምምሕዳርን ልዕልነት ኣይነበሮን ኢሎም፣ ናይ ቀረባ ታሪክ
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ እኳ ብዉሕዱ እንተዝሪኡ። ቅድሚ ሎሚ ምኢቲ ዓመት ኣብ ዙርያ ዘመናዊ ትምህርቲ ልቃዉንቲ ነገስታት ዝሞጎትዎ።
ወንበር ፓትርያርክ ብዝምልከት ቤተክርስትያን ሉእላዉነታ ዘኽበረት ምዃና ክርድኡ ኔሮም፣
ብተወሳኺ
እዉን ዶ/ር ሽፋራዉ ኣይፈትዎን እምበር። ኣብዚ ቀረባ ብዝተሃተመ ኣብ መፅሃፍ የብላቴ መርስኤ ሃዘን ወልደ ቂርቆስ ዝዓበየ ናይ
መበል 20 ክፍለ ዘመን ሊቀ ሃለቃ ታዬ ካብዛ ዓለም ብሞት ኣብ ዝተፈለዩሉ ግዜ ‘ኣብ ናይ ኣቦታተይ መቓብር ኣዕርፉኒ’ ኢሎም እንትናዘዙ
“ ፕሮቴስታንት ኮይኖም” ተባሂሉ ስለዝነበረ (ኣብ ዘመነ ንግስነት ንጉሰ-ነገስት ዘዉዲቱ ምዃኑ እዩ) ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ካህናት
“ሃይማኖቱ ስለ ዝለወጠ ኣብ እንዳ ስላሴ ኣይቕበርን” ኢሎም ከልኪሎሞ፣
ንግስቲ ዘዉዲቱ
“በጃኹም” ኢለን እንተለመና። “ ኣብ ደንብን ስርዓትን ሃይማኖትና ኣይትእተዋና” ኢሎም ልመነአን ከይተቐበልዎ ተሪፎም፣ መቸም መንፈሳዉን
ምምሕዳራዉን ልዕልነት ዘይነበሮ ቤተክህነት ከምዚ ክገብር ኣይኽእልን፣ ሳልሳይ ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ሲኖዶስ ካባ’ቶም
ጳጳሳት ሓደ ከም ዝበልዎን ኣነ እውን ዝካፈሎን ሓደ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ኦርቶዶክስ እንተኾይኑ ብዛዕባ ኦርቶዶክስ፤ ሙስሊም እንተኾይኑ
ብዛዕባ ሙስሊም፤ ፕሮቴስታትን እንተኾይኑ ብዛዕባ ፕሮቴስታንት ይዛረብ’ምበር። ካብ ደዉ ዝበልናሉ ሃይማኖት እናተላዓልና ኣብ ዘይንኽተሎን
ዘይንፈልጦን ሃይማኖት ነቕፊታ እንተዘይወርወርና ፅቡቕ ይመስለኒ፣
እቶም ሚኒስተር
ብተኸታታሊ ብዛዕባ ኣኽራርነትን ፅንፈኝነትን ዝፃሓፍዎ ፁሑፍ ኣጠቃሊልና እንተሪኢናዮ። ንወግዑ ዝኣክል ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ስም
ዝርዝር ዘርዚሮም እምበር። ብኣኽራርነት ተራእዮም ቀንዲ ትኹረት ዝተገበረሎም ግን እስልምናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ኢትዮጵያን
ምዃኖም ንግንዘብ፣ ኢህወደግ ንጉዳይ ሃይማኖት ብከቢድ ጥንቃቐ ክትሓዝ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ፣ ኣብ’ዚ ሰር ዊንስተን ቸርችል ኣብ እዋን ካልኣይ ዉግእ ዓለም ኣብ እዋን
ዉግእ ብዛዕባ ጀነራላቶም “war is too serious a subject to be
left for the Generals” ( ዉግእ ብትኹረት፤ ብጥንቃቐ ክታሓዝ ዘለዎ ጉዳይ ስለዝኾነ ንጀነራላተይ ጥራሕ ዝግደፍ ጉዳይ ኣይኮነን፣”)
ኢሎም ነሮም፣
ካብዚ ኣባህላ እዚ እንማሃሮ ኣብ ሓደ ሃገር ወሰንቲ ዝኾኑ ከም ሕቶታት ሃይማኖት
ዝበሉ ‘ሞየኦም እዩ’ ተባሂሉ ጥራሕ እቲ ጉዳይ ንካድረታት ምግዳፍ ናብ ስሕተት ዘዉድቕ እዩ፣ ብተወሳኺ እዉን ጉዳይ ሃይማኖት ብዓብዪ
ሓላፍነት ምሓዝ ጥራሕ እንተይኮነስ። ምስ ናይ መንግስቲ ፖለቲካዊ ጠቕሚ ብምትሕሓዝ ጥራሕ ኣብ ልዕልነቶም ተፅዕኖ ክፈጥር ግቡእ
ኣይኮነን፣ ብምዃኑ ኢህወደግ ብዙሕ ግዜ ከም ዝገብሮ ናይ ባዕሉ ፖለቲካዊ ጠቕሚ ከኽብር እየ ብዝብል ፈሊጥ ነዛ ሃገር ናብ ሕድ
ሕድ ግጭት ከየእትዋ ይሰግእ እየ፣
ሎሚ። ኣብ ዉሽጢ ኢህወደግ ፀገም ኣማራርሓ እናተራእዩ እዮም ኢሎም
ዶ ይሓስቡ?
ዶ/ር ዳኛቸዉ።- ኣቶ ሃይለማርያም
ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ምዃኖም። ብሽም ኣማኸርቲ ብኣርባዕተን ሓሙሽተን ፍሉጣት ኢህወደጋዉያን ምኽባቦም ሓደ ፀገም ኣሎ ማለትእዩ፣
ሓደ እዋን ሓደ ናይ ሃገርና ሽማግለ ከም ዘፃወቱኒ “ ሓደ ፀገም ናይ ልጅ እያሱ ናይ ኣማኸርቲ ብዝሓት እዩ ኔይሩ፣” ዝበሉኒ ትዝ እናበለኒ ኣብ ዙርያ ኣቶ ሃይለማርያም ዝተሰለፉ
ቁፅሪ ኣማኸርቲ እንትርኢ ኩነታት ልጅ እያሱ ተመሳሳሊ መልክዕ ሒዙ ኣብ ዓይነ-ሕልናይ ይማላለስል፣ ካልእ ፀገም ኢህወደግ። እቲ
ስርዓት ዝፈጠሮ ምድንጋርን ግዕዚይናን መፍትሒ ክደልየሉ ዘይምኽኣሉ
እዩ፣ ሎሚ ከም እንሪኦ ዘለና ሓደ ናይ ፖለቲካ ስርዓት ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ እንተወፅዩ እዚ ስርዓት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ ማለት እዩ፣
ጉዳይ ግዕዚይና ኣብ ኣታሓሳሳቢ ደረጃ ምብፅሑ ሓሓሊፉ ብመራኸብቲ ሓፋሽ መንግስቲ ባዕሉ እናነገረና እዩ፣ ብኣቀራርባ ደረጃ እንተሪኢናዮ
ግን ነቲ ጉዳይ ዝግባእ ትኹረት ከይሃበ ንይምሰል ዝተዳለወ ድራማ የቕርበልና፣ ግዕዚና ብዝኾነ ብልሓት ንምክልኻል ምፍታን እዩ እምበር።
ድራማ ምድላዉ ግቡእ ኣይኮነን፣
ሎሚ።- መራሕቲ
ኣፍሪካ ኣይ ሲሲ ተፅዕኖ እናፈጠረልና እዩ ይብሉ፣ ናይዚ እዋን ኣቦወንበር
ሕብረት ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ
ነዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ብኣንክሮ ገሊፆሞ
እዮም፣ ነዚ ጉዳይ እዚ ከመይ ተዓዚብክምዎ?
ዶ/ር ዳኛቸዉ።- መቸም ሓድ
ሓደ ግዜ ምሉእ ሓቂ፤ ሙሉእ ሓሶት ዝባሃል የለን፣ ብዝተወሰነ ደረጃ ነዞም ሰባት እዚኦም ንእሽተይ ናይ ባዕሎም ዝፈጥርዎ ተፅዕኖ ነገር ኣለዎም፣ እዚ ማለት ግን ዝምስርትዎ ከይዲ ክሲ ብምልኡ ሓሶት እዩ
ማለት ኣይኮነን፣ ስግኣት መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ንሪኤሉ ግዜ ናይ መበል 17 ክፍለዘመን ዓቢይ ፍላስፋ ቶማስ ሆብስ “ሳይኮሎጂካል ኢጎይዝም” ኣብ ዝብል መበገሲኡ እንተረድእ
ዝበሎ ትዝይብለኒ፣ “ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ኣዶ ዓርካ ምስሞተት ሓዘንተኛ ሕቍፋ ፍቕፊቕ ኢላ ዝበኸየት ካብ ልቢ
ሓዚና እንተይኮነትስ ናይ ባዕላ ወላዲት ብዓይነ ሕሊንኣ እናተራእየታ እዩ፣” ሎሚ መራሕቲ ኣፍሪካ ምስ ኣይ ሲሲ ክርክር ዝገጠሙ
ብሕብርና ኣድልዎ ብፂሑና ኢሎም ጥራሕ እንተይ ኮኑስ። ፅባሕ ናባና ብዝብል ሓሳብ ናይ ባዕሎም ዕድል እናተራእዮም እዩ፣
ሎሚ።- ተቓወምቲ ብኢህወደግ ተፅዕኖ በዚሑና ይብሉ፣ እዞም ኣብ ዝሓለፈ
ዝተገብሩ ሰልፍታት ምስቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ኣንፃር ዝዝከር እዩ፣ ብዘይ ተቓወምቲ ሃገር ክበርሕ ዝደሊ ስርዓት እንታይ ዓነት እዩ?
ዶ/ር ዳኛቸዉ።- ተፅዕኖ
ምብዛሕ ጥራሕ እንተይኮነስ። ኢህወደግ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ፀረ ዴሞክራሲ ምዃኑ እናመስከረ እዩ፣ ቅድም ንእሽተይ ናይ ምምሳል ኩነታት
ኔይሩ፣ ሕጂ ግን ፈፂሙ የለን፣ ሎሚ ንሕና እናሰራሕና ኢና፤ ስቕ ኢልኩም ኣድንቑና፤ እዞም ተቓወምቲ መሰናኽል እዮም’ ኢሎም ይኣምኑ፣
ተቓዋሚ ዝባሃል ፈፂሞም ክሰምዑ ኣይደልዩን፣ እዚ ናይ ፖሊሲ ለዉጢ ኣይመስለንን፣ ብርግፀኝነት ጠፊእዎም እዩ፣ ብዙሕ ቅሬታ ኣሎ፣
በዚ ግዜ እዚ ዓመፅ ከላዓዓሉልና ዝኽእሉ ተቓወምቲ ፓርቲታት እዮም
ኢሎም ስለዝሓስቡ ዓሚቕ ናይ ክትትል ተፅዕኖ የብፅሕሎም ኣለዉ፣ ከም ቀደም እንተዝኽዉን ኔይሩ ብኹፉት ልቢ ሰለማዊ ሰልፊ ዉፃእ፤
ኪድ ፅሓፍ ክብሉ ኔይሮም፣ ሎሚ ግን ብሓይሊ ሚዛኖም ርግፀኛታት ብዘይ ምዃኖም። ካብ ቅድሚኡ ብዝበኣሰ ነታ ዘይጎበዘት ዝብልዋ ዴሞክራሲ እኳ ትንፋሳ እናዓፈንዋ እዮም፣ ብምዃኑ ድማ ንተቓወምቲ ፓርትታት
ብዝግባእ እናተኸታተልዎም እዮም፣ ነገር ዘለዓዕለሎም እዩ ዝመስሎም፣ ኣብ ኣብዮት ኣዕራብ ከም ልምዲ እዩ ዝፍለጥ፣ ነዚ ክሓስብ
እንከለኹ ከም ፖለቲካዊ ናይ ኣረኣእያ ለዉጢ ኣይኮነን ዝሪኦ ናይ ፍርሒ ኩነታት እዩ ዝመስለኒ፣
ሎሚ።- እንታይ ዓይነት መንግስታዊ ስግኣታት ኣለዉ? ስግኣት ኢህወደግ
ከ ምሰየናይ ይምደብ?
ዶ/ር ዳኛቸዉ።- ዝተሓሰበን
ዝተዘርበን ነገር ምዃን ክኣቢ እንከሎ ዘይምሕጓስን ዘይምዕጋብን ኣሎ፣ ናይ ብኽነት ፀገም እዉን ኣሎ፣ ኣብ ግዜ ሃፀይሃይለስላሰ
ሓደ ደጃዝማች እንተሪኢኻ እታይ ዓይነት ሂወትን መጠን ሃፍትን ከም ዝነበሮ ትግምት ኢኻ፣ ኣብ እዋን ደርጊ እዉን ሃፍታም ክትግምት
ትኽእል ኢኻ፣ ሎሚ ግን ኣብ ኢድ ዉልቀ ሰባት ዝረአ ዘሎ መጠን ሃፍቲ ካብ ናህና ኣድማስ ግምት ወፃኢ እዩ ዝኸዉን ዘሎ፣ እከለ
20 ሽሕ፤ 30ሽሕ ብር ሰረቐ ዝብል ቀደም ዘደንግፅ ዜና እዩ ኔይሩ፣ ሎሚ እኮ ብሚሊዮናት እዩ ዝዝረብ፣ ኣብ ከይዲ ናብ ቢልዮናት
እዩ ዝምርሕ፣ እኳደኣ እዚ ናይ ስግግር ክፍለ ግዜ ስለ ዝኾነ ሓቢሩ ዝመፅእ ነገር እዩ ይብሉኻ፣ ሓደ ስርዓት ከምዚ ዝሓስብ እንተኾይኑ።
እቲ ስርዓት ተባላሹ ኢለ እየ ዝግምቶ፣
ሎሚ።- ኢወደግን ሙሁራትን እንታይ ዓይነት ርክብ ኣለዎም? ንሙሁራት
ዝተዋህበ ቦታ እንታይ ዓይነት እዩ?
ዶ/ር ዳኛቸዉ።- ትኩራት
ምሁራት ኣለዉ፣ ኣነ ኣይዛረብን፣ “ኣብ ግዜ ደርጊ ብዙሕ ሪኤ ኣለኹ” ዝብሉ፣ ንኸምዚኦም ዝበሉ ቦታን ድጎማን ይህብ እዩ፣ ብጥቕማጥቕሚ
ንምሓዝ እዮም ዝፍትኑ’ምበር ናይ ባዕሎም ሰብ ሞያ፤ ናይ ባዕሎም ምሁራት ግን ኣለዉዎም፣ ምሁራት ምስ ተሓሰምዎም ናይ ባዕሎም ምሁራት
ፈጢሮም፣ ኣብ በቦትኡ ዘሎ ትካላት መፅናዕቲ ደረጅኡ ኣዉሪዶሞ እዮም፣
ቀደም ሃፀይ ሃይለስላሰ ክወርዱ እንትብሉ ( ኣነ ከም ዝሰማዕኽዎ) “ ብኸመይ ኢና መስፍናዊ ስርዓት ንወቕዖ” ኢሎም መኸሩ፣ ኣብ
መወዳእታ ሽመቶም ነርክሶ ተባህሉ፣ ናብ 9ሽሕ ዝፅጋዕ ደረጃ ኣዉፅኡ፣ ፊታዉራሪ፤ ቀናዝማሽ…ወዘተ ወዘተ፣ ኩዑሶ ተፃዋቲ ፊታዉራሪ፤
ዘዋሪ ታክሲ ቀነዝማሽ እናተባህለ ምስያሜ እንትዋሃብ እዚ ደረጃ ቅድም ክብል ዝነበሮም ብምልኦም ኣዝዮም ተናደዱ፣ ኣነ ሕጂ እዉን
ዝሪኦ ዘለኹ ብዘርፊ ትምህርቲ ማስትሬት ድግሪ ኣለኒ ዘይብል ሰብ ኣይትረክብን፣ ቢ ኤ መፃወቲ እዩ ኮይኑ፣ ልክዕ ከምቲ ንዘመነ መስፍናዊ ስርዓት ዝወቕዕዎ እዚኦም ድማ ንትምህርቲ ወቒዖሞ፣ እንተሰማዕኹ
ዝኾነ ወዲ ሓረስታይ ማስተርስ ኣትሒዝናዮ እናተባህለ እዩ፣
ካብ 11
ሰብ ንላዕሊ ኩሎም እግሪ ኩዕሶ ተፃወቲ ምግባር ኣይካኣልን፣ ድግሪ ትርጉም ኣልባ ገይሮሞ፣ ኣነ ዶክተርነተይ ሂበ ፊተዉራሪነተይ
ክቕበል እየዝደሊ፣ ኣባሓጎይ ፊዩተዉራሪ እዮም ኔይሮም፣ ነዙይ ዝተመነኹ ግን ፈትየ ኣይኮንኩን፣ ብስጭት እዩ፣ እስኪ እዝጋብሔር
የርኢኻ ናይ ተልእኾ ፒ.ኤች.ዲ ዝባሃል ነገር ኣሎ? ዝኾነ ከም ዝፈልጦ ትምህርቲ ምይይጥ እዩ ዝሓትት፣ ምስኻ ዝገበርክዎ ቃለ መሕተት
ብስልኺ እንተንገብሮ ኣይመምሓረን፣ ፊት ንፊት እናተዘራረብና ምስ ዝኸዉን ግን ፉሉይ ይኽዉን፣ ኢህወደግ ፅርየት ትምህርቲ ባይታ
ኣዝቢጥዎ እዩ፣ ምሁራት ባይታ ብምዝባጥ። ዝኾነ ክረኽቦ ይኽእል እዩ ብዘብል መልክዑ 50 ሽሕ ኤም.ኤ፤ 10 ሽሕ ፒ.ኤች.ዲ ኣውፄ
ኣለኹ ይብል፣ ብሰለስተ ሰሚስተር ኤም. ኤ እናሃበ እዩ፣ ክረምታዊ ክክልተ ወርሒ ይማሃሩ እሞ ኣብ መበል ሻድሽይ ወርሒ ማስተርስ
ይዋሃቦም፣ እዚኦም ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ተማሂሮም ፅርየት ትምህርቲ ኣሎ ምባል ዶ ይካኣል?
ሎሚ።- ናይዛ ሃገር ተቓወምቲ ፓርትታት ከ ከመይ ትሪእዎም?
ዶ/ር ዳኛቸዉ።- ኣብዛ ሃገር
ዘለዉ ተቓወምቲ ፓርትታት ኣብ ዕብዪ ፀግም ዉሽጢ እዮም ዘለዉ፣ ናይ ኢህወደግ ተፅዕኖ ምፍጣር ከም ዘለዎ ኮይኑ። ብዛዕባ ባዕሎም
ክሓስቡ ኣለዎም፣ ሰብ ራኢ ክኾኑ ኣለዎም፣ ኣርሖቖም ክሓስቡ፤ ምስምማዕ፤ ዉልቃዊ ክርክሮም ምክዳፍ፤ ኣፃብዕቲ ምዉጥዋጥ ደዉ ከብሉ
ኣለዎም፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዙይ እናሓተትቶም እዩ፣ ብመዳይ መንግስቲ ዘለዎም ፀገም ርዱእ ኮይኑ። ቀንዲ ግን ናይ ባዕሎም ፀገም
ምፍታሕ እዩ፣ቆልዓ ኮይነ ሓደ ዝሰማዕ ኽዎ ተረት ሃገረ እንግሊዝ ኣሎ፣ “ ፀላኢ ኣሎ ኢሎም ናይ ሓደ መንደር ህዝቢ ናብ ጫካ ኣተዉ
ተባህለ፣ ድሓር እንተደለዩ እንተደለዩ ሓደ ካብ ኦም ንሰማይ ተኵሱ። ጎበዝ ጎበዝ ፀላኢና ረኺበዮ በለ፣ ኣበይ ኣሎ ኣበይ ኣሎ እንተበልዎ።
ፀላእቲ ንሕና ባዕልና ኢና፤ ካልእ ፀላኢ የለን” በሎም፣ ፀላኢ ተቓዋሚ ባዕሉ እንተላይ ተቓዋሚ እዩ፣
ሎሚ።- ዶ/ር ካብ ዘለዎም ስዓት ኣፃቢቦም ንዝሃቡና መልሲ የመስግን፣
ዶ/ር ዳኛቸዉ።- የመስግን፣