Friday, December 27, 2013

ኣብ ክልል ትግራይ ሰኣን ብቑዕ ቀረብ መድሓኒት ብዕቡድ ከልቢ ዝተነከሱ ሰባት ንሓደጋ ይቃልዑ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ። ኣብ መላእ ከባብታት ትግራይ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ተላቢዑ ዝርከብ ኮይኑ። ነቲ ሓደገኛ ሕማም ንምክልኻል ተባሂሉ ዝተዋሃበ ክታበት ይኹን ሰባት ምስተለኸፉ ክሕከምሉ ዝኽእሉ መድሓኒት ዓዲግካ ምፅናሕ ዝተገብረ ቅድመ ምድላዉ ብዘይምህላዉ። ብርክት ዝበሉ ወገናት ብዕቡድ ከልቢ ተነኺሶም እኹል ሓገዝ ሕክምና ብዘይምርካቦም ንሓደጋ ሞትን ስቓይን ተቓሊዖም ይርከቡ፣
በቲ ኣብዚ እዋን ገኒኑ ዘሎ መንከስቲ ዕቡድ ከልቢ ዝመንቀሊኡ ሕማም ኣብ በቢዞብኡን በቢወረድኡን ብርክት ዝበለ ዜጋ በቲ ሕማም ተታሒዙ ከም ዝርከብ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።
 በቲ ግዜ ዘይህብ ፍታሕ ዘይተገብረሉን ኣሰቃቒን ሕማም ዝተደናገፁ ኣካላት ሕብረትሰብ ወከልቲ ዓበይቲ ዓዲ ብ2 ታሕሳስ 2006ዓ.ም ናብ ክልል ጥዕና ቢሮ ከይዶም ኣብ ዝሓተትሉ። ሕፅረት መድሓኒት ስለ ዘለና ምንም ክንገብር ኣይንኽእልን ዝብል ምላሽ ተዋሂቦም ናብ ቦታኦም ከም ዝተመለሱ የረድእ፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ። ብዝምልከቶ ኣካላት ቆላሕታ ዝሰኣኑ ብሓደገኛ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ዝተለኸፉ ወገናት ድሮ ንሞት ዝተቓልዑን። ኣብ ሆስፒታላት ተዓቂቦም ብዘይ  መደሓኒት ዕጨኦም ዝፀበዩ ወገናት ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ፣