Monday, March 21, 2016

ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዘካይዶ ዘሎ ተቓውሞ ተኸቲሉ ዝተወሰደ ስጉምቲ ስምዒት ሰራዊት ምክልኻል ንምፍላጥ፣ ኣብ ዝተገብረ ሰፊሕ ምይይጥ፣ ኩሉ ሰራዊት ናይ ተቃውሞ ሓሳብ ምቕራቡ ተገሊፁ።



ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ተኸቲሉ ኣብ መላእ ከተማታትን ገጠራትን ክልል ኦሮሚያ ዝተለዓለ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ህልወና ስልጣኑ ንምውሓስ ኣብ ልዕሊ ባዶ ኢዱ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይድ ህዝቢ፣ ንምብታን  ብዝወሰዶን ዝወስዶ ዘሎን ጨፍጫፍ ብክርት ዝበለ ህይወት ሰብ ብጥይት ዝረገፈ ኮይኑ፣ ነቲ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ ብቡዙሓት ኣብ ዉሽጥን ደገን ዝርከቡ ትካላትን ምሁራትን ብጥቡቕ ብምኹናኑ ኣብ ዓብዪ ወጥርን ጭንቕንቕን ዝወደቑ መራሕቲ እቲ ስርዓት፣ ኣብ መላእ ምክልኻል ሰራዊት ዘሎ ስምዒት ንምፍላጥ ብ23 ለካቲት 2008 ዓ.ም  ሰፊሕ ምይይጥ ንምክያድ ኣብ ዝተፈተነሉ ሰራዊት ነቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ብትሪ ምኹናኑ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ኣብ ኩሉ ምክልኻል ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ምይይጥ፣ እቲ ሰራዊት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወፀ ህዝቢ ኦሮሞ ዝተወሰደ ኣረሜናዊ ስጉምቲ ብምኹናን፣ ከም'ዚ ዝበለ ግፍዒ ብትእዛዝ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እናተወሰደ ንሕና ንመን ክንሕሉ ኢና ከርተት ኣብ ምባል ንርከብ ክብሉ ብሓደ ሓሳብ ከም ዝተቓወምዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።


No comments:

Post a Comment