ኣብ ከተማ መቐለ ከባብያዊ ምምሕዳር ሓወልቲ ዝርከብ ነባሪ ሕብረተሰብ ዘይተመያየጠሉን ዘይወሰኖን ምምሕዳር
ናይቲ ከባቢ ባዕሎም “ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ብር ኣብ ልምዓት
ከባቢ ዝዉዕል ኣዋፅኡ ነዚ ከዋፅእ ፍቓደኛ ዘይኮነ ነባሪ ፀረ-መንግስትን ሃገርን እዩ ክፍለ ኣለዎ” እናበሉ ብኣስገዳድ
ክኸፍል ይገብሩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ካብ ከተማ መቐለ ከይወፃእና 16 እናተባሃለ ዝፅዋዕ ቦታ ብ18 ታሕሳስ 2006 ዓ.ም ሰዓት 4።00 ናይ
ለይቲ ብዘጋጠመ መበገሲኡ ዘይተፈለጠ ሃንደበታዊ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ንዋትን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘዉረደ ምንጭታትና ገሊፆም፣
እቶም ምንጭታት ከም ዝገለፅዎ። እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ዝተላዕለሉ ነበርቲ ተሓጋጊዞም ባዕሉም ከጥፍእዎ ፈቲኖም
ክኾነሎም ብዘይምኽኣሉ። ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ሓቲቶም ቅልጡፍ እወንታዊ ምላሽ ብዘይምርካቦም። ዕንወት ከም ዘውረደ ገሊፆም፣