ሰበ ስልጣን ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ኣብ ከተማ
መቐለ ኣብ ከባቢ ዓዲ ሓቂን ከባቢያዊ ምምሕደራ ሓወልትን ዝርከብ ንህዝቢ ዝተዓደለ ሰፊሕ መሬት ምስ ውልቀ ሓፍታማት እናተመሻጠሩ ብኣማኢት ሚልዮናት ይሸጥሎምን ዝተረፈ ድማ
ንባዕሎም ቪላታት ገዛውቲ መስርሒ ይግብትዎ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ነበርቲ ከተማ መቐለ ንመስርሒ መንበሪ ዝኸወን
መሬት ንኽዕደሎም ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዘእተውዎ ማመልከቻ ብሎሚ ብፃሕ
ቆላሕ ክብልዎም ከም ዘይከኣሉ ምስ ገለፀ፤ እዙይ ከዓ ስበ ስልጣን እቲ ስርዓት ንውልቃዊ
ረብሓኦም ጥራይ እንተዘይኮይኖም ብዛዕባ ህዝቢ ዝግድሶም ኣይኮኑን ክብሉ ነበርቲ ብምረት ይገልፁ።
እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣድልዎ ዝመልኦ ኣሰራርሓ ኣብ ክልል ኣማሓራ ከተማ
ደብረማርቆስን ካልኦት ከባቢታት ሃገርና ብሰፊሑ ዝሰርሕሉ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ምዃኑ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ።