ህዝብና ካብ ነዊሕ ዘበናት ኣትሒዙ ብሰንኪ ሕሉፋት ገዛእቲ ደርብታትን ኣለናልካ ዝብሉዎ ውልቀ መራሕትን። ሰናይ ምምሕዳር ዝብልዎ ነገር። እንትርፊ ብዘረባ ኣብ ተግባር ተጠቒምሉ ኣይፈልጥን፣
ታሪኽ ከም ዝነግረና ሃገርና ናይ ነዊሕ ዘበናት ስልጣነ ከም ዘለዋ እኳ ዝንገረላ እንተኾነ ነዚ ምስ ዓለማት
ተርታ ኣቐሚጥዋ ዝነበረ ስልጣነን ምዕባለን ከምዘለዎ ዓቂባ ንቕድሚት ከይትምርሽ ግን። ከም ዓብይ ዕንቅፋት ኮይኑ ድሕሪት ክትተርፍ
ዘኽኣላን ሕዝ’ውን ብዝተጠናኸረ መንገዲ ዝቕፅል ዘሎን። ጉዳይ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን፣
ሕሉፋት ገዛእቲ ማለት ስርዓት ሃይለስላሰ ይኹን ስርዓት ደርጊ የካይድዎ
ዝነበሩ ናይ ኣገዛዝኣ ብልሓት። ህዝቢ ከም ህዝቢ ብኸመይ ሰጥ ለበጥ’ሉ ኣብ ትሕቴና ተማእዚዙን ተገዚኡን ይኸይድ’ምበር። ሰብኣውን
ዴሞክራሲያውን መስርሕ ዓምቢቡ። ህዝብታት ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ክነብሩ፤ ብዘይ ኣድልዎ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክዳነዩ፤
ዝመሰሎም ክዛረቡን ክቃወሙን ብዝኽእልሉ መንገዲ ዝካየድ ኣይነበረን፣
ስለዝኾነ ድማ እዞም ፀረ ህዝቢ ስርዓታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘብፅሕዎ
ዝነበሩ መለክዒ ኣልቦ ግፍዕታት። ብቕልፅም ህዝብታት ክዓኑን መሰረቶም ክንቀልን ግድን ስለዝነበረ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘካየዶ
ቃልስን ዝኸፈሎ ረዚን መስዋእትን ስርዓቶም ክእለ ክኢሉ’ዩ፣
እቲ ዝገርም
ግን እቶም ኣብ ሕሉፋት ስርዓታት ገስገስቲ ሓይልታት ኮይኖም ኣንፃር ዝነበሩ ገዛእቲ ንዓመታት ምስ ህዝቢ ኮይኖም ዝቃለሱ
ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ስልጣን ምስሓዙ ብዝገደደ መልክዑ ናብ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ኣረኣያታት ጥሒሎም ፀረ ህዝብን ሃገርን ጠጠው ክብሉ
ምብቅዖም’ዩ፣
እዞም ኣብ ስልጣን ዘለው መራሕቲ ኣብ እዋን ስርዓት ደርጊ ነቲ ዝነበረ
ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ተቓዊሞምን። ስልጣን ናብ ህዝቢ ይሰጋገር ንዝብል ጭርሖ ደጊፎምን። ኣብ ህወሓት፤ ኢህኣፓ፤ ኢህዴን፤ ኦህዴድ፤
ኢጨኣት፤ ወዝሊግ፤ ሰደድ፤ መኢሶን ወ.ዘ.ተ ምስ ዝበሉ ውድባት ተሓቒፎም ዝቃለሱ ዝነበሩ ውድባት ምንባሮም ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ
ይፈልጦም’ዩ፣ ስለምንታይ’ዩ እቲ ዝነበረ ኩነታት ምስ ተቐየረ፤ ብዙሓት ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ሂወቶም ምስ ከፈሉን። ዘይተኣደነ ንብረት
ህዝብን ሃገርን ምስዓነወን ኣብ ክንዲ ንሃገር ከድሕን ዝኽእል መንግስቲ ዝትካእ። ብዝበኣሰ ሃገር ከጥፍእን ከዐኑን ዝተበገሰ ስርዓት
ክመፅእ ክኢሉ? ስለምንታይ’ዩ ንኣስታት 23 ዓመታት መመላእታ ኣብ ሃገርና ጨና ስርዓተ ሰናይ ምምሕዳር ክርአን ለውጥታት ክመፅእ
ዘይከኣለን ኣብ ዝብል ሕቶ ኣቲና እንተደኣ ክንርኢ ፈቲና። ውልቃዊ ናይ ስልጣን ህረፍ ዝነበሮም ተቓለስቲ’ምበር ስልጣን ካብ ውልቀ
መራሕቲ መንዚዖም ናብ ህዝቢ ንኽመሓላልፉ ኣብ ህሊንኦም’ውን ኣይነበረን ዝብል መልሲ ዝገልፆም’ዩ ዝኸውን፣
ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ሰናይ ምምሕዳርን ኣጠቓላሊ ናይ ዴሞክራሲ መሰላትን
ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣብ ዝምልከት ዘይተኣደኑ ኣኼባታትን ገምጋማትን ከም ዝካየዱን ኣብ ፈነወ ዝተፈላለይ ሚድያታት’ቲ ስርዓት ማዓልታዊ
ይዝረበሉን ይርኣዩን’ዮም፣ ብኣንፃሩ ድማ ህዝቢ ፍትሒ ስኢኑ፤ መሰሉ ተሓሪምዎ ብኣኼባን ገምጋምን ዓቕሉ ፀቢብዎ መረበቱ ገዲፉ ፎቆድኡ
ፋሕ ፋሕ ዝብለሉን ንዝለዓለ ውርደትን ሽግርን ዝተቓለዐሉ ግዜ’ዩ ዘሎ፣ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጭቡጥ ሓቂ እዚ እናሃለወ። ስለምንታይ’ዩ
ኮነ ኢልካ ንገዛእ ህዝብኻ ንምድንጋር ወግሐ ፀብሐ ንሰናይ ምምሕዳር ማእኸል ዝገበረ ናይ ፈኸራን ዳንኬራን ነጋሪት ዝውቃዕ?
ሓሰት እንትደጋገም ሓቂ ይመስል ከም ዝበሃል። ነቶም ብዛዕባ ኣብ ሃገርና
ዘሎ ሓቃዊ መረዳእታ ዘይፈልጡ ከደናግሮም ይኽእል ይኸውን። እንተ’ቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ብዱል ህዝቢ ግን።
ሰናይ ምምሕዳር ዝሰፍን ብሰናይ ተበግሶን ቃልስን እምበር። ብኣኼባን ገምጋምን ጥራይ ከምዘይኸውን ስለ ዝፈልጥ። ብተራ ሃለውለው
ካድረታት ስርዓት ህወሓት/ኢህወዴግ ዝደናገር ኣይኮነን፣