ኣብ
ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ዝርከቡ ነጋዶ ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ግብሪ ክኸፍሉ ብምግዳዶም ትካላቶም ብምዕፃዉ ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኖም ግዳይ ፀገም ኮይኖም
ምህላዎም ካብ’ታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
እቶም ልዕሊ
ኣታዊኦም ግብሪ ክኸፍሉ ዝግደዱ ዘለዉ ነጋዶ ፍታሕ
ክግበረሎም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኖም ዋላ’ኳ እንተስምዑ ፍታሕ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ካብቶም ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ መኽፈሊ ስኢኖም ትካሎም ዝዓፀዉ ወገናት
ዉሽጢ። ወ/ሮ የሺወርቅ ዮዉሃንስ ወናኒት ሆቴልን ኣይተ
ወብኣምላክ ደመላሽ ኣብ ሸቐጥ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ ዝተዋፈሩ ዝርከብዎ
እንትኾኑ። ካልኦት ዘይተጠቐሱ ነጋዶ ምህላዎም እቲ ዝተረኸበ
ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ። ገለ ኣቐዲሞም ነቶም ግብሪ ዘኽፍሉ ልኡዃት እቲ ስርዓት ንዝኾኑ ኣብታ ከተማ ንዝተመደቡ ሰራሕተኛታት ጉቦ ዝኸፈሉን ብግበረለይ
ክገብረልካን ዝምድናን ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ነጋዶ ውሑድ ግብሪ ክኸፍሉ ይግበር ከምዘሎ ኣፍሊጡ፣