Saturday, December 21, 2013

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከባብታት ከተማ ኣሶሳ ብሽም ፀረ ሽፍታ ዝተዋፈሩ ዕጡቓት እቲ ስርዓት ኣብ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ ብምዉፋሮም ነበርቲ መረረቶም የስምዑ ምህላዎም ተፈሊጡ፣



ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከባቢታት ከተማ ኣሶሳን ወረዳ ሎጅጋንፎ ከተማ ሶኒን  ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ወነንቲ ትካላት ሆቴል፤ ቤት መስተን ዓበይቲ ድኳናትን ብሽም ፀረ ሽፍታ ብዝብል ብጉጅለ ኢህወዴግ ዝተዋፈሩ ዕሱባት ብኣፈሙዝ ብረት እናፈራርሑ ኣብ ምዕማፅ ተዋፊሮም ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

     ብተመሳሳሊ ኣብ ሩባ ደዴሳ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ልምዓት ስራሕ ካብ ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ዉሽጢ ሓንቲ በዞም ዕጡቋት ኣብ ልዕሊኣ ብዝፈፀምዎ ኣረመናዊ ወሲብ ዓመፅ ብኸቢድ ተሃስያ ኣብ ሆስፒታል ተዓቒባ ከም ትርከብ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣

      ነበርቲ ከተማ ኣሶሳን ከተማ ሶኒን ነቲ ዝበፅሖም ዘሎ ጭካነ ዝተመልኦ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰል ደው ንኽብል ናብ ጠርነፍቲ እቶም ዕጡቛት ንዘቕረብዎ ጥርዓን ሰሚዖም ነቲ ኩነታት ኣብ ክንዲ ምፅራይ። ናትና ሰራዊት ኣብ ከምዚ ዝበለ ስራሕ ኣይዋፈሩን ብምባል ኣፈራሪሖም ከም ዝመለስዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣