Wednesday, December 25, 2013

ኣብ ትሕቲ ክራይ-ኣባይቲ ዝርከቡ መንግስታዊ ገዛዉቲ ብሰበ ስልጣንን ሰራሕተኛታት መንግስትን ቀዳምነት ይተሓዙ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ገዛ ንኽሰርሑ ፀገም ማሕበራዊ ናብራ ዘለዎም ወገናት ብዝሕሸ ዋጋ ተኻርዮም ንኽነብርሉ እናተባሃለ ሰፈር ዓቐን ዘይብሉ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ገንዘብ ተበጂትሎም ዝተሃነፁ ኣባይቲ፤ ቀዳነት ነቶም ኣብ ትሑት መነባብሮ ኮይኖም ብክብሪ ገዛ ክራይ ተፀጊሞም ዝርከቡ ወገናት ክዋሃብ እናተገበአ ብኣንፃሩ ካብቲ ዝተባህለሉ ዕላማ ወፃኢ ቀዳምነት ንሰበ ስልጣን ኣባላት እቲ ስርዓት ንዝኾኑ ሰራሕተኛ መንግስትን ይዕደል ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ እቶም ኣብ ትሕቲ ክራይ ኣባይቲ ዝርከቡ ሰበ ስልጣንን ካድረታትን ኣባላትን ሰራሕተኛ መንግስቲ። ዝሰርሕዎም ገዛዉቶም ብኽባር ዋጋ ኣካርዮም ነቲ መንግስታዊ ኣባይቲ ብዝሓሰረ ዋጋ ይብሕትዎ ከም ዘለዉ፤ ንዝምልከቶም ኣካላት እናተሓበሮም ዝፀንሐ እኳ እንተኾነ ፀማም እዝኒ ብምሃብ ክሳብ ሕጂ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዘየለ እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ገሊፁ።