እታ
ሰሜናዊት ኮኸብ እናተበሃለት በቲ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት ብዙሕ ዕቤት ተመዝግብ ከም ዘላ ዝዝረበላ ከተማ መቐለ፤ ብመሰረታዊ
ስእነት ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ነበርታ ካብ ዝሳቐዩ ዓመታት ኣቑፂሮም እኳ እንተለዉ፤ ነቲ ፀገም ኣቓልቦ ሂቡ ዝፈትሕ ኣካል
መንግስቲ ብዘይምህላዉ ህይወት ነባሪ ሕብረተሰብ ኣብ ኣፀጋሚ ደረጃ በፂሑ ከም ዘሎ ምንጭታትና ገሊፆም።
እቲ
ዝበፀሓና ሓበሬታ ውሲኹ ስእነት ፅሩይ ማይ ከተማ መቐለ ንሰማዕቲ ሓዱሽ እኳ እንተዘይ ኮይነ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝኸፈአ
ብርኪ ዝርከብ ኮይኑ፤ ብፍላይ ከኣ ኣብ’ታ ከተማ ቀልቀል ደብሪ
እናተበሃለ ዝፅዋዕ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ማይ ቡንባ ካብ ዘረክብ ኣዋርሕ ስለ ዘቑፀረ ፍቐዶ ረሳሕ ጎዳጉዲ ዝዓቐረ ማይ ንምርካብ ብጀርካናት ሪጋ ሒዙ ይዉዕል ከም ዘሎ የረድእ።
እቶም
ነበርቲ ከባቢ ቀልቀል ደብሪ ነቲ ህይወት መነባብርኦም ንምምራሕ ዓብዪ ማሕንቖ ኮይንዎም ዘሎ ማይ ብዝምልከቶም ኣካላት ቆላሕታ
ተዋህብዎ ንኽፍታሓሎም ብ21 ሕዳር 2006 ዓ.ም ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን ሰማዒ ከም ዝሳኣኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።