Tuesday, December 31, 2013

መንግስቲ ስርዓት ኢህወዴግ ተማሂሮም ስራሕ ንዘይረኸቡ መናእሰይ መናበሪኹም ተማሓየሽሉ ሞያዊ ስልጠና ክትወስዱ ተመዝገቡ ኢሉ ብምትላል ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከምዘእትዎም ተሓቢሩ፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታትን ኮሎጃትን ብድግሪን ዲፕሎማን ዝተመረቑ ከም’ዉን ካብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ 10 12 ተማሂሮም ነጥቢ ዘይመፀኣሎም መናእሰይ፤ ስራሕ  ብዘይምርካቦም ብዉልቆም ህይወቶም ንምምራሕ ፀዓርዓር ክብሉ ዝተዓዘቡ ኣመሓደርቲ እታ ከተማ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዝኾነ ይኹን እምነት ከም ዘይብሎምን እኳ ድኣ ደጋፊን ዝዉድቦምን ተረኺቦም ኣንፃር እቲ መንግስቲ ስጉምቲ ካብ ምዉሳድ ድሕር ከም ዘይብሉ ተረድኦም፤ ነዚ ንምብታን ሞያዊ ስልጠና ብመንግስቲ ክዋሃበኩም እዩ ተመዝገቡ ኢሎም ናብ ወተሃደራዊ መዕለሚ ብርሸለቆ ከም ዘእተዉዎም ተፈሊጡ፣

 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ኣመሓደርትን ካድረታትን ፀረ ህዝቢ ስርዓት ኢህወዴግ ነቲ መንእሰይ ከም መታለለሊ ካብ ዝተጠቐምሉ ሜላታት፤ ዘመናዊ ኣብ ዝኾነ መሰልጠኒ ሞያ ኣቲኹም ድዛይን ምዉፃእ ፅርበት ዕንፀይትን ሓፂን መፂንን፤ ምምራሕ መኪናን መካኒክን ምሉእ ብምሉእ ሰልጢንኩም ኣብ ዝኾነ ቦታ ስራሕ ተቖፂርኩም ህይወትኩም ህይወት ስድራኹምን ንምምራሕ ዘኽእለኩም ዓቕሚ ንኽትጭብጡ መንግስቲ እኹል ባጀት ሰሊዑ ኣሎ ክብሉ ከም ዝተዛረብዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

 ይኹን እምበር ብመካይን ፅዒኖም ብምውሳድ ብርሸለቆ ኣእትዮም ወታሃደራዊ ታዕሊም ክህብዎም ምስ ጀምሩ ገለ መናእሰይ ዝመፀ ይማፃ ኢሎም ንምንታይ ብህይወትና ትፃወቱ ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረብሎምን፤ ነቲ ታዕሊም ተቓዊሞም ክጥፍኡ ዝተተሓዙ ኣብ ስራሕ ብምእታዉ ከይዛረቡ ብምግላል ነቶም ዝተረፉ ዓሊሞም ኣብ ከባቢ ጎጃም ኣኪበምዎም ከም ዝርከቡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣