Tuesday, December 31, 2013

ክብሪ መነባብሮ ሃገርና ሰማይ ዓሪጉ ህዝብና ክፃወሮ ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ በፂሑ ከም ዘሎ ካብ ከተማ ጎንደር ምንጭታትና ገሊፆም፣




ብመሰረት ምንጭታትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዞባታት ደቡብን ሰሜን ጎንደር ክብሪ መነባብሮ ዕዳጋ ካብ’ቲ ክረአ ዝፀንሐ ናህሪ ዋጋ ብተዓፃፃፊ ምዉሳኹ ከይኣክል፤ ብርክት ዝበለ ምስ ዕለታዊ መነባብሮ ሕብረተሰብ ምትእስሳር ዘለዎ ዓይነታት ጠለብ ጠቕሊሎም ብምጥፍኦም ህዝቢ መረረቱ ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከብ ኣረዲኡ፣

ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ጎንደር በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ናህሪ ጠለብ ዕዳጋ ቀንዲ ተሃሳይ ኮይኑ ኣብ ዘለወሉ፤ ኣብተን ባዕሉ ዝውንነን መከፋፋሊ ትካላት ንምዕዳግ ናይ መንነት ካርድ ኣብ ቀበሌ ኣርእዮም ናይ ዝተወሰነ ፍቓድ መግዝኢ ምስ ተዋሃቦም ክሳብ ዝወስዱ ላዕሊ ታሕቲ ኣብ ምባልን ኣብ ሪጋ ምሓዝን ግዜኦም ከባኽኑ ግድን ኮይንዎም ከም ዘሎን ዓይነታት እኽሊ ጥራምረን ሽኮርን ዘይቲ ብልዒን ዝኣመሰሉ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብዝኾነ ክፍሊት ይዕድግዎ ከም ዘለው ገሊፁ፣

ካብ ከተማ ጎንደር ከይወፃእና ኣብታ ከተማ ዝረአ ዘሎ ቀፃሊ ምጥፋእ መብራህቲ ቅድም ኢለን ከገልግላ ዝፀንሓ ትራንስፎርሞራት እናነቐሉ ናብ ካልእ ቦታ ይወስድዎ ብምህላውም ህዝቢ ጎንደር ነዚ ዝተገበረ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ተቓውምኡ እኳ እንተስመዐ ሰማዒ ኣካል ከምዘይረኸበ ተፈሊጡ፣፣