Thursday, January 2, 2014

ነበርቲ ከተማ መቐለ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተዋሃቦም መሬት ኣግባብ ብዘይብሉ መንገዲ መንግስቲ ይዉስዶ ኣሎ ክብሉ መረረቶም ኣስሚዖም፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ብምምሕዳር እታ ከተማ ተዓዲልዎም ዝፀንሐ መሬቶም ምኽንያቱ ብዘይተነፀረ መንገዲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ብመንገዲ ዕሱባቱ ብሓይሊ እናመንዘዐ ካብ 2 ታሕሳስ 2006 ዓ.ም ጀሚሩ ብፍሉይ ይወስድ ኣብ ዘለሉ፤ ንገለ ምስ ሰበ ስልጣን ምትእስሳር ዘለዎም ሃፋታማትን ኣባላቶምን ንሓደ ካሬ ሜትር መሬት 1800 ብር ሒሳብ እንትህቦም ንፅጉማትን ፀግዒ በዓል ስልጣን ዘይብሎም ድማ ንሓደ ካሬ ሜትር ብ250 ብር ጥራይ ይህቦም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ፣
   በቲ ሌላን ጉሌላን ዝተመለኦ ኣስራርሓ ምሕደራ መንግስቲ ህወሓት-ኢህወዴግ ዝተበደሉ ወገናት ‘ወዲ ዓሽስ ያ ክልተ ግዜ ይዉቃዕ’ ከም ዝበሃል ኮይና ኣይንተረፍን ብምባል፤ መሬትና መረበትናን ኣፍሪስኩም ኣብ ጥራይ ሜዳ ትድርብዩና ዘለኹም ከይኣክል እቲ ንሰብ መሬት ካሕሳ እናተበሃለ ካብ ሃፍቲ ሃገር ዝወፅእ ዘሎ ገንዘብ ንኹልና ዜጋታት እዛ ሃገር ማዕረ ይብፅሓና ብምዃኑ ዝግብኣና ካሕሳ ልክዕ ከም’ቶም ናሃታትኩም ፀግዒ ክዋሃበና ኣለዎ ብምባል መረረቶም እኳ እንተቕረቡ ክሳብ ሕዚ እወንታዊ ምላሽ ክዋሃቦም ከም ዘይከኣለ ኣረዲኦም፣