Thursday, January 2, 2014

ፈፀምቲ ኣካላት ህወሓት ዉሽጣዊ ኣጀንዳ ኣልዒሎም ንምዝታይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝገብርዎ ኣኼባ ብዘይምርድዳእ ተበቲኖም፣




እቶም ላዕለዎት ፈፀምቲ ኣካላት ህወሓት ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ መዋቕር እቲ ስርዓት ተመዲቦም ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ጉጅለ ሰበ ስልጣን፤ ብ8 ታሕሳስ 2006 ዓ.ም ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካይድዎ ምስጥራዊ ኣኼባ በቲ ዝተለዓለ ኣጀንዳ ክረዳድኡ ብዘይምኽኣሎም ኣፈላላይ ፈጢሮም ተበታቲኖም ከም ዝወፁ ካብቲ ዉሽጢ ኣኼባ ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ እንተብርህ ኣብቲ ኣኼባ ፈፀምቲ ህወሓት ኮይኖም ብሚኒስተር ደረጃ ሽመት ዘለዎምን ኣብ ኣመሓደርቲ ክልል ትግራይን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፤ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዉሽጦም ንዘሎ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን እናመንዛዕኻ ኣብ ዉልቃዊ ረብሓታትካ ምዉዓል ብንፁር ኣብ መነመን ከም ዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ ተባሂሉ ብምልዓሉ ዘይተዋሕጠሎም ገለ መርሕነት ነቲ ኣጀንዳ ከም ዝነፀግዎ ተፈሊጡ፣
ካብቶም ብገንዘብ ህዝቢ ሰብ ፀጋ ሃፍቲ ኮይኖም ዝተረቑሑ። ኣባይ ወልዱ፤ በየነ ሙኩሩ፤ ኪሮስ ቢተዉ፤ ሃለቃ ፀጋይን ምስ ሰበይቱ ቅድሳን ነጋን እንትኾኑ፤ ኣብቲ ኣኼባ ቅድምያ ሙስና ኣብ ዉሽጥና ክፀሪ ኣለዎ ተባሂሉ ምዝራቡ ስለ ዘይተዋሕጠሎም። ዘለዎም ደረጃ ሓላፍነት ተጠቒሞም ነቲ ኣኼባ ብዘይፍረ ክብተን ዝከኣሎም ተራ ከም ተፃወቱ ኣረዲኡ፣