Thursday, January 2, 2014

ብመሰረት ኣገልግሎት ዘመንና ዕቤት ስራሕ ክንረክብ ኣይከኣልናን ዝበሉ መምህራን ሰማዒ ስኢኖም ነቲ ስራሕ ይሓድግዎ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣




ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ቀዳማይ ብርኪ ክሳብ ላዕለዎት ትካላት ተመዲቦም ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ተዋፊሮም ንነዊሕ ዓመታት ክሰርሑ ዝፀንሑ መምህራን፤ ብዘለዎም ኣገልግሎት ግዜን ስራሕ ኣብርክትኦምን ተራእዩ ዕቤት ስራሕ ክረክቡ ግቡእ መሰርሕ እኳ እንተኾነ። ብሰንኪ ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ መራሕቲ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ኣብ ስርሖም ክረኽብዎ ዝግብኣ መሰል ተሓሪምዎም ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቶም መረረቶም ዘስምዑ ዘለዉ መምህራን ብ13 ታሕሳስ 2006 ዓ.ም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፤ ብቀረባ ሓለፍቶም ኣባላት ህወሓት-ኢህወዴግ ክኾኑ ብተደጋጋሚ ጎስጓስ እኳ እንተተገበረሎም ንሳቶም ግና ብጀካ ዝተመደብሉ ስራሕ ምድማዕ ካልእ ጎናዊ ፖሎቲካዊ ስራሕ እቲ ስርዓት ክተግብሩ ፍቕደኛታት ብዘምዃኖም ዝተፈላለዩ ክእመኑ ዘይኽእሉ ምኽንያት ብምድርዳር ዋጋ ራሃፆም ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ኣገንዚቡ፣
ህላወ እቲ ስርዓት ኣብ ሕጋዉነት ዘይብሉ ክራይ ኣካብነትን ግዕዚና ዘንጠልጠለ ብምዃኑ ኣብ  ሚኒስተር ትምህርቲ ‘ዉን መምህራን ከም ኣሰራርሓን ግቡእን ክረኽብዎ ዝግባእ መሰል ብዓይኒ ዝምቡዕ ፖሎቲካ እቲ ስርዓት እናተረኣየ መምህራን ነፃነት ስራሕ ስኢኖም መሰል ስርሖም ንኽረኽቡ ተገዲዶም መሳርሒ ፖለቲካ እቲ ስርዓት ክኾኑ ይግደዱ ብምህላዎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ትካላት ብቐንዱ ከዓ ህዝቢ ዓገብ ክብል ፀዊዖም፣
ኣብ ትግራይ ሓላፊ ዕቤት ሰራሕተኛታት ዝኾነ ኣይተ ሰይፉ ኣንበስ በዓል ዉዕለት እቲ ስርዓት ብምዃኑ ንረብሓ ሰራሕተኛ ክልል ትግራይ ንጎኒ ገዲፉ ምስቲ ስርዓት እናተመሻጠረ ዉልቃዊ ረብሓታቱ ኣብ ምኽዕባት ተፀሚዱ ዝርከብ ኮይኑ። ከም መግለፂ ግዕዙይ ተግባራቱ ከዓ ካብ መምህራን ዝተከበ ገንዘብ ሒዙ ክጠፍእ ኣዲስ ኣበባ ምስ በፀሐ ተታሒዙ ብዘይ ዝኾነ ሕቶ ከም ዝተስደደ ወሲኹ ኣረዲኡ፣