Thursday, January 2, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ዝርከቡ ሓለፍቲ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ሙስና ጥሒሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዝርከቡ ካብ’ቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሪታ ኣመልኪቱ፣




ብመሰረት‘ቲ ሓበሬታ እቶም ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኦም ከወዕልዎ ተረኺቦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝርከቡ ሓለፍቲ፤ ኣይተ ግዮን ጀምበሬ ቅድም ክብል ኣብ ግብርና ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዝነበሩ እንትኾኑ ሕዚ ድማ ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ኣባይቲ ኮይኖም ክሰርሑ ዝፀንሑ፤ ኣይተ ደስታው ሓላፊ ንግድን ኢንዱስትርን ፤ ኣይተ ውሃቤ ፀጋ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትካላት፤ ኣይተ ሃብቴ ሓላፊ ሓለዋ መሬትን ከባብን፤ ኣይተ ግዛቸወ ሓላፊ ቤት ማዛጋጃ፤ ኣይት ደጉ ጥላሁን ሓላፊ ሓላዋ ጥዕና፤ ኣይተ ወርቄ ኣለሙ ሓላፊ ፋይናንስ ከም’ዉን ኣይተ ኣለሙ ኣለነ ኣማሓዳሪ ወረዳ ጃዊን  ካልኦትን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ፣
   እቶም ብዝፈፀምዎ ግዕዝይና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ሽመኞታት እቲ ስርዓት፤ ናብ ሙስና ተግባር ክኣትዉ ዝኸኣሉ እቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ገንዘብ ሃገር እናሰረቑ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ባንክታት ይኽዝንዎ ምህላዎም ስለ ዝፈልጡ፤ ኣሰሮም ተኸቲሎም ዝኣተዉዎ መገልፂ ስሱዕ ባህሪኦም ከም ዝኾነ ተዓዘብቲ ይገልፁ፣