Thursday, January 2, 2014

ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ነበርቲ ኩምብርን ጨጉቲ ምስ ኣባላት ፖሊስ ኢህወዴግ ከም ዝተጋጨዉ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቶም ነበርቲ ሕጋዊ ብዘይኮነ መንገዲ ፖሊስ ስርዓት ኢህወዴግ መንበሪ ገዝውቶም  ክፍትሽዎ ኣብ ዝጀመሩሉ ግዜ፤ ኣይነፍተሽን ብምባል ምስ’ቶም  ዕጡቛት ፖሊስ ኣብ ዝኸፈትዎ ዕግርግር  ሓደ ፖሊስ ሽዑ ንሽዑ ህይወቱ እንትሓልፍ ሰለስተ ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ኣፍ ሞት ከም ዝርከቡ ተገሊፁ፣
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣብ ኩምብርን ጨጉትን ኣብ ዝተብሃላ ቀበሌታት ዝነብሩ ወገናት ነቲ  ምስ ፖሊስ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ዝወልዑ ናዕቢ ህዝቢ ብሓደ ድምፂ ሆ ኢሉ ስለ ዝተላዕለ፤ እቶም ፖሊስ ነቲ ክፍፅምዎ ሓሲቦሞ ዝመፁ ንብረት ናይ ምምዛዕ ስጉምቲ ደው ከብልዎ ዝተገደዱ ኮይኖም፤ እቶም ኣብ ልዕሊ ዕሱባት ግፍዐኛታት ፖሊስ ስጉምቲ ዝወሰዱ ገበራት ብምትሕብባር ህዝቢ ክትሓዙ ከም ዘይከኣሉ ኣረዲኡ፣
     በዚ ኩነታት ዝሰንበዱ ላዕለወት ሓለፍቲ ፖሊስ ኩሉ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኣንፃር መንግስቲ እዩ ብምባል ክእሰር መመምርሒ ብምዉራዶም፤ ብዙሓት ሽማግለታትን ህፃናት ዝሓዘለናን ነፍሰ ፁራትን ኣዴታት ዝርከበኦም ነበርቲ ብጅምላ  ይእሰሩ ኣብ ዘለዉሉ ብዙሕ  ስቓይን መገረፍትን ይወርዶም ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣