Thursday, January 2, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ዝርከቡ ነጋዶ ኣብ ኣከፋፍላ ግብሪ ብዝበፅሖም ዘሎ ኣድልዎ ግዳይ ስደትን ድኽነትን ይኾኑ ምህላዎም ተገሊፁ፣




እቶም ደገፍቲ እቲ ስርዓት ዘይኮኑ ነጋዶ ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠንን  ልዕሊ ዓቅሞም ዝኾነ ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ ብምህላዎም ነዚ መኽፈሊ ዓቕሚ ዝሰኣኑ ንብረቶምን ገዝኦም እናተሓረጀ ይሽየጥ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ብኣንፃሩ ኣባላት ኢህወዴግ ዝኾኑ ትሑት ግብሪ ክኸፍሉ ብምግባር ኣብነታዉያን ከፈልቲ ግብሪ መንግስቲ እናተባሃሉ ይምጎሱን ይሽለሙን ከም ዘለዉ ኣረዲኡ፣
ብሰንኪ እቲ ዘይሓላፍነታዊ ግብሪ ኣወሳስና ንስደትን ድኽነትን ዝተቓልዑ ነጋዶ ብርክት ዝበሉ ኮይኖም፤ ኣብ ወረዳ ቡሬ ጥራይ ግዳይ ናይዚ ግዕዝይ ኣሰራርሓ ከብ ዝኾኑ ሽም ንምጥቓስ።-
 ኣይተ ምነምን ፈንቴ፤ ኣይተ እንዳርጌ እልምነህ፤ መልኬ ሰለሞን፤ ኣይተ ገባያዉ ላቀ፤ ኣይተ ሙላቱ ገዙ፤ ቀሺ ኣባተ ንጉሰ፤ ኣይተ ኣደሙ ጤናዉ፤ ኣይተ ኣቡየ ልጃለም፤ ኣይተ ሙልጌታ ፍንቴ፤ ኣይተ ይሀይስ ኣለሙ፤ ኣይተ ኣምባዉ ቀረብህ፤ ኣይተ ኣማረ መኮነን፤ ኣይተ ልጅኣለምን ገዝኦምን ንብረቶምን ተወሪሱ ሃገሩ ዝለቐቑ፦
ቀሺ ይበልጣል ዮዉሃንስ፤ ኣይተ ዘሪሁን ታደሰ፤ ባህሩ ኣስማረ፤ ኣምሳሉ ዘሪሁን፤ ኣይተ ፈጠነ ኣያና፤ ኣይተ ዳኘ በቃሉ፤ ኣይተ ዘለኣለም ተመስገን፤ ቀሺ ኣያናዉ፤ ኣይተ በሃይሉ በላይ፤ ኣይተ በሃይሉ ካሴ፤ በላይ ሞሴ፤ ተመስገን  በቶ፤ ኣይተ ኣቢወት ተሰማ፤ ኣይተ ጌታነህ ኣይናበባ፤ ኣይተ ጌታቸዉ ኣስራድን ድማ ዝንበረ መናገዲ ገንዘቦም ተወሪሱ መሳርሒ ስኢኖም ስራሕ ጠጠዉ ዘበሉ እንትኾኑ፦
ኣይተ ኣዝመራዉ እያሱ ተኣሲሩ ዝፀንሐ፤ ኣይተ ታደለ በለዉን ኣይተ ደሳለኝ ይርኩን ክሳብ ሕዚ ተኣሲሮም ዝርከቡ፤ ኣይተ ኣያና ደሳለኝ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘምለጠ፤ ኣይተ ሙሴ ጥበቡ መንበሪ ገዝኡ ዝተወረሶ ዝርከቦም ከም ዝኾኑ የረድእ።።
 እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ እቶም ልዕል  ኢሎም  ዝተዘርዘሩ ብንግዲ ክመሓደሩ ፀኒሖም ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ብሰንኪ ጉዕዙይ ምሕደራ እቲ ስርዓት ንከቢድ ክስራን ድኽነትን ከም ዝተቃልዑ ድሕሪ ምግላፅ፥ ሕዚ’ዉን ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ግብሪ ዘብፅሖ ዘሎ ጉድኣት በዚ ከይኣብቀዐ ዓዲኻ ገድፍካ ምስዳድን ንግዲ ትካልካ ምዕፃዉን ተጋዲዱ ይቕፅል ከም ዘሎ ኣገንዚቡ፣