Friday, January 3, 2014

ኣብ ከተማ ሽራሮ ካብ ንግዲ ወፃኢ ጃህያ ፅዒኖም ናብ ገዝኦም ዘምፅኡ ሰባት ባት ዘይብላ መኪና ፅዒንኩም እናተበሃሉ ይቕፅዑን ይገላትዑን ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣይተ ገብረሃወርያ እምባየ ዝተበሃለ ነባሪ ከተማ ሸራሮ ብ19 ታሕሳስ 2006 ዓ.ም ዉልቃዊ ስርሑ ባዕሉ ንምስላጥ ኢሉ ብመኪንኡ ጃህያ ፅዒኑ ናብ ገዝኡ ኣብ ዘምፃኣሉ፤ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ካደረታትን ኣመሓደርትን ዝኾነ ይኹን ምስ ንግዲ ዘተኣሳስር ዘይብሉ ስራሕ ብምስርሑ ንባዕልኻ ይኹን መኪናኻ ጃህያ ከም ትሰርሕ ዘዉፃኻዮ ባት የብልካን ብምባል ኣግባብ ብዘይብሉ ነታ መኪና ንክልተ መዓልቲ ኣሲሮም ድሕሪ ክልተ መዓልቲ 5 ሽሕ ቅርሺ ወሲዶም ከም ዝሰደድዎም ኣረዲኡ፣
ምኽንያታት እናፈጠርካ ገንዘብ ህዝቢ ምዝማት ከም ሓደ ቀንዲ ዕለታዊ ስርሖም ጌሮም ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ከተማ ሸራሮ፤  ኣይተ እምባየን ከምኡ ዝበሉ ሰብ ሃፍትን ዉልቀ ሰባትን ምስ ኣቶም ተመሓዝዮም ሰፍር ዓቐን ዘይብሉ ብላዕ እናሃቡ ጫምኦም ኮይኖም ከገልግልዎም ብዘይምኽኣሎም፤ ስልጣኖም ተጠቕሞም ሕጋዉነት ዘይብሉ ቅፅዓታት እናወሰኑን ካብ ስርሖም እናተዓናቐፉን ድከቶም ምእታዉ ከም ሓደ መደብ ስርሖም ጌሮም ይትግብርዎ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ፣