እቶም ነቲ ናይ
ምትላል ተግባር ከፈፅሙ ብላዕለዎት መርሕነት መንግስቲ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ዝተዋፈሩ እሙናት ካደረታት ተባሂሎም
ዝእተኣምነሎም ኮይኖም፤ ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከብ መንእሰይ ዝተፈላለዩ ዘይትግበሩ መብፅዓታት ኣትዮም ናብ ፖሊስ ንኽምልመሉ
ዝከኣሎም ኩሉ ጌሮም ክኾነሎም ከም ዘይከኣለ ተገሊፁ፣
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ
ኣብ ፅርግያ ክንቀሳቐስ ይኹን ኣብ ስራሕ ዝተዋፈረ ነባራይን ጋሻን እታ ከተማ ከይፈለዩ ብ20ን 21ን ታሕሳስ 2006 ዓ.ም
ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዘካየድዎ ፅዑቕ ኣኼባ ዝኾነ መንእሰይ ካብ ዝመፀ ይምፃእ መንነቱ ብዘየገድስ ናብ ፖሊስ ክምልመል መንግስቲ
ፈቒዱ ከም ዘሎን ኣብ ፖሊስ መሰልጠኛ ምስኣተዉ ድማ ዝተፈላለየ ዓይነት ሞያ ስልጠና ክዋሃቦም ከም ዝኾነ ዝቕረብዎ መብፅዓታት
ተኣካቢ ህዝቢ ዘረባኹም ዕድሜና ምሉእ ዝስለችዩና ብምባል ከም ዝነፀገም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ካብ ከተማ ሑመራ
ከይወፃእና ኣብታ ከተማ ንዘሎ ሕማቕ ፅርግያ ንምዕራይ ዝተረከበ ኩባንያ ቻይና ብዝግባእ ክዕርዮ ኣይከኣለን ብዝብል ምስ’ቶም
ሰበ ስልጣን ኣብ ወጠጥ ኣትዩ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣
ነቲ ፅርግያ
ንምስራሕ ብኩንትራት ዝተረከቦ ኩባንያ ቻይና ብመሰረት ዉዕሉ ሰርሑ ከረክብ ምስ ተቐራረበ ገለ ክኢላታት ነቲ ኣሰራርሓ ፅፈት
ከም ዘይብሉ ስለ ዝነቐፍዎ፤ በዚ ዝሰግኡ ኣመሓደርቲ ከተማ ሑመራ እቲ ፅርግያ ሓሓሊፉ ተጌርሉ ዘሎ ጃህያ ሕማቕ እዩ ጥዑይ
ኣይኮነ ብምባል ክርከብዎ ብዘይምኽኣሎም፤ እቲ ኩባንያ ቻይና ከዓ ብዝተኣተወ ዉዕል ሰሪሐ ወዲአ ኣለኹ ዝዕርዮ ይኹን ዝቕይሮ
የብለን ወግዓዊ ዉዕል ኣለኒ ብምባሉ ኣብ መንጉኦም ምፍጣጥ ተፈጢሩ ከም ዘሎን፤ እቲ ፅርግያ ስራሕ ከይጀምረ ንተሽከርከርቲ
ኣዚዩ ኣፀጋሚ ኮይኑ ከም ዘሎ ወሲኹ የረድእ፣