ኣብ መስመር
ኢትዮ-ጅቡቲ ብመካይንን ካልኦት መፅዓኛን እናተጠቐሙ ካብን ናብን ዝነግዱ ወገናት። ባዕሎም ስራሕ ፈጢሮም ብዝረኽብዎ ኣታዊ
ህይወትን ናብራን ስድርኦም ኣብ ምምሕያሽ ዝሕሸ ዉፅኢት ከም ዝረኽብሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። እንተኾነ ግና ኣብቲ ከባቢ
ተመዲቦም ዝርከቡ ወተሃደራን ዕጡቛት ምልሻን እቲ ስርዓት ዘይግብኦም ረብሓ ንምርካብ ምስ ጉምሩክ ተመሓዝዮም ይወርስዎም ከም
ዘለዉ ተፈሊጡ፣
ኣብቲ ከባቢ ካብ
ነጋዶ ንዝምንዝዑ ንብረታት ብሓላፍነት ንኽቆፃፀርን ንክሕዝን በቲ ስርዓት ኣብ ከተማ ጅጂጋ ዋና ሓላፊ ጉምሩክ ኮይኑ ዝተመደበ
ኮነሬል ሃይለ ተክሌ። ብ12 ታሕሳስ 2006 ዓ.ም ነቲ ኣብ መኻዚኖ ክዉህለል ዝፀንሐ ብዋግኡ ኣዚዩ ክባር ንብረታት ፈልዩ
ብክልተ መካይን ፅዒኑ ሒዝዎ ከም ዝተሰወረን። ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከም ዘሎ ክፍለጥ ብዘይምኽኣሉ ንብረቶም ንኽምለሰሎም ብሕጊ
ክከራኸሩ ዝፀንሑ ሰብ ዋና ላዕሊ ታሕቲ ኢሎም ፍታሕ ከም ዘይረኸቡ ወሲኹ ገሊፁ፣