ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ኣብ ሃገርና ዝርከባ ብሄራዊ ባንክታት ተመሳሳሊ ሓሶት ገንዘብ እናሓተማ ንተገልገልተን የዐሽዋ ምህላወን ድሕሪ
ምግላፅ፤ በዚ ብሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ዝተመሃዘ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ዝተዳለወ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ካብተን ባንክታት ወሲዶም
ንኸቢድ ክሳራ ዝተቓልዑ ዓማዊል ምህላዎም ተገሊፁ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ
ገንዘቦም ክዕቀበሎም ብምሕሳብ ኣብ ብሄራዊ ባንክታት ከቕምጡ ዝፅንሑ ወገናትና በቲ ሓሶት ገንዘብ እናተታለሉ ግዳይ ዝኾኑ ዘለዉ ብዙሓት ምዃኖም ምስ ገለፀ፤
ካብኣቶም ሓደ ኣይተ ይግዛው መኮንንቲ ዝተበሃሉ በዓል ሃፍቲ ብ30 ሕዳር 2006 ዓ/ም ኣብ ባንኪ ኣቐሚጠሞ ዝፀንሑ 250 ሽሕ
ብር ከዉፅኡ ኣብ ዝኸድሉ ናይ ሓሶት ገንዘብ ተዋሂብዎም ኣብ ስራሕ ከዉዕልዎ ምስ ጀመሩ ሕጋዊ ዘይምኻኑ ብክኢላታት ምስተፈለጠ፤ ናብቲ ባንክ ተመሊሶም ጥርዓን
እንተቕረቡ “ኪድ ኣይንፈልጠካን ከም’ዚ ዓይነት ገንዘብ ኣይንሕዝን ንሕና” ክብሉ ኣፈራርሖም ከም ዝሰጎጉዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
በዚ ተግባር ዝሰግኡ ሰብ ውልቀ ሃፍትን ትካላትን ኣብ ባንክታት
ዝፀንሐ ገንዘቦም ብምውፃእ፤ ኣብ ገዝኦም ከቕምጥዎ ይግደዱ ምህላዎም ካብ ዝተፈላልዩ ከባቢታት ሃገርና ዝበፅሓና ሓበሬታ
ኣመልኪቱ፣