ኣብ ዝተፈላልዩ ክልላት ሃገርና ዝርከቡ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ኣብ ምዝማት
ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ኣብ ከተማ ባህርዳር ብ15 ሕዳር 2006 ዓ/ም ኣብ
ዝተገበረ ህዝባዊ ኣኼባ ንመሰረት ልምዓት ተባሂሉ ካብ ህዝቢ
ዝተዋፅአ 400 ሽሕ ብር በቶም ናይ ክልል ሓለፍቲ ምጥፍፍኡ
ተገሊፁ፣
ካብ’ቶም
ልዕሊ 400 ሽሕ ገንዘብ ህዝቢ ዘጠፋፍኡ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ስርዓት ኣይተ ሊቆው ኣያሌው ናይ’ታ ከተማ ከንቲባ፤
ኣይተ ደርሰው ታመነ ሓላፊ ፀፅታ እታ ከተማ ኮይኖም። ነቲ
ገንዘብ ከም ዝበልዕዎ ብመርትዖ ተረጋጊፁ እናሃልዉ የማናይ ኢድ ናይ’ቲ መንግስቲ ስለ ዝኾኑ ክሳብ ኣብ ልዕሊኦም ዝተወሰደ
ስጉምቲ ከም ዘየለ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣
ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝርከቡ ሰራሕተኛታት
ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኢሕወዴግ ዝዓለመ ተቓውሞ ስለማዊ ሰልፊ ካብ 11 ታሕሳስ 2006 ዓ/ም ጀሚሮም
ን4ተ መዓልታት ብተኸታታሊ ሰራሕ
ደው ናይ ምባል ሰልፊ ከም ዘካየዱ ዝገለፀ እቲ
ሓበሬታ፤ ዕላማ ናይ’ቲ ተቓውሞ ድማ መንግስቲ ስልጣን
ንመንእስያት ከነማሓላልፎ ኢና ዝብል ሓሳብ ብቃል ኩሉ ግዜ
ዝዝረብ እኳ እንይተኾነ፤ ኣብ ተግባር ካብ 55 ንላዕሊ ዕድመ ዘለዎም እዮም ዝሽወሙ ዘለዉ፤ እዙይ ድማ እትብልዎን እትገብርዎን
ዘይስነ ኮይኑ ኣሎ ብምባል፤ በቶም ሰራሕተኛታት ዝቀረቡ ሕቶ ክሳብ ሕዚ ምላሽ ዝህብ ኣካል ከም ዘየለ ተገሊፁ፣