Wednesday, February 5, 2014

ማእኸል ስልጠና ሞያን ቴክኒክን ዴሞክራስያዊ ምንቅስቕስ ህዝቢ ትግራይ /ዴ.ም.ህ.ት/ ብሞያ ጋዜጠኝነትን ኮምፒዩተርን ከሰልጥኖም ዝፀንሐ ተማሃሮ ብሰርተፍኬት ኣመሪቑ፣






እቲ ስልጠና ካብ 1 ሕዳር ክሳብ 24 ጥሪ 2006 ዓ/ም ንተኻታታሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተዋህበ ኮይኑ፤ ብሞያ ጋዜጠኝነትን ኮምፒዩተርን ብቁዕ ፍልጠጥን ዓቕሚን ጨቢጦም ንምረቓ ከም ዝበቕዑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣



ኣብቲ ዕለተ ምረቓ ካብ ዝተረኽቡ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ኣቦ ወንበር ዴምህት ተጋዳላይ ሞላ ኣስገዶም ንተመረቕቲ ናይ ብልጫ ሽልማት ድሕሪ ምዕዳል ኣብ ዘስመዖ ቃል፤ እዚ ናይ ሎሚ ትምህርቲ ናይቲ በብእዋኑ ክዋሃብ ዝፀንሐ ትምህርቲ መቐፀልታ ዳኣ’ምበር ናይ ፈለማ ከም ዘይኮነ ድሕሪ ምግላፅ ነቲ ሞያ ኣብ ምጭባጥ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ንዘካየዱ መምሃራንን ተማሃሮን እንኳዕ ፈረ-ፃማኹም ራኣኹም ኢሉ፣ 


ተጋዳላይ ሞላ ኣስዒቡ ቅኑዕን ፅፉፍን ሓበሬታ ንህዝቢ ኣብ ምቕራብ ፀረ ህዝቢ ተግባራት እቲ ስርዓት ኣብ ምቅላዕን ልእኽቶ ውድቦም ንምዕዋትን ድማ ብርዖም ኣዋዲዶም ክረባረቡ ከም ዝግባእ ብምዝኽኻር ዕዉት ናይ ስራሕ እዋን ክኾነሎም ተመንዩ፣

ነቲ ትምህርቲ ካብ ዝሃቡ መምህራን ሓደ ተጋዳላይ ኣስመላሽ ሃይሉ ኣብቲ ብ25 ጥሪ 2006 ዓ.ም ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተረኺቡ ኣብ ዘስመዖ ቃል ተማሃሮ ኣብ ተሳትፎ ትምህርቶም ንዘረኣይዎ ንጥፈታት ብምንኣድ ንተመረቕቲ እንኳዕ ናብ ዕለተ ምምራቕ ኣብ ፀሓኩም ኢሉ፣


ኣብ መወዳእታ ወኪል ተማሃሮ ብግድኡ ተኻፈልቲ ናይቲ በዓል ንዝኾኑ ዕዱማት ኣጋይሽን ተማሃሮን እንኳዕ ኣብፃሓና ብምባል። ተማሃሮ ከምቲ ነቲ ሞያ ኣብ ምጭባጥ ዘርኣይዎ ትግሃትን ተወፋይነትን ኣብ ባይታ ወሪዶም ልእኽቶ ውድቦም ንምዕዋት ጠንኪሮም ከም ዝሰርሑ ቃል ኣትዩ፣

ዝኸበርኩም ሰማዕትና ምሉእ ትሕዝቶ ስነ ስርዓት እዚ ምረቓ ዘንፀባርቕ ፍሉይ ምድላው ኣብ ዝቕፅሉ መደባትና ክህልወናዩ፣ ናብ ካልእ ዜና ክንሰግር፣